Back to Top
       ሽርክን ዓይነታቱን

ፍርዲ ሲሕሪን ምምሀሩን


ሕቶ(40): ፍርዲ ሲሕሪን ምምሀሩን ከመይ እዩ?
መልሲ:

ሲሕሪ ምምሀር ሓራም፤ አብ ዝመሀረሉ መንገዲ ሓገዝ ሸይጣን እንተተወሲኹዎ ኸዓ ኩፍሪ እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ሸይጣናት ብስርወ ንግሰት ሱለይማን ዘንብቡሎም (ሲሕሪ) ሰዓቡ። ሱለይማን አይኸሓደን እዩ(ሳሒር `ውን አይነበረን)። ሸይጣናት ንደቅ ሰባት ሲሕሪ ዘምህሩ ምስኮኑ ኽሒዶም። እቲ ብክልቲኦም መልአካት ብባቢል ሃሩትን ማሩትን ንዝወረደ (የምህሩዎም)። “ንሕና ፈተነ ኢና አይትኽሓዱ” እናበሉ እምበር ወላ ሓደ አየምሀሩን። ካብኦም ብስብአይን ሰበይትን ዝፈልዩሉ ይመሀሩ አለው። ንሶም ድማ ብፍቃድ አላህ ተዘይኾይኑ ወላ ሓደ ዝጎድኡ አይኮኑን። ዝጎድኦምን ዘይጠቕሞምን ይመሀሩ አለው። ነቲ ወናኒ ንዑኡ በታ ናይ መወዳእታ ሀገር ካብ ዕድል ከምዘይብሉ ብርግፅ ፈሊጦም። ነፍሶም ዝሸጡሉ ዋጋ ኸዓ አመና ሓሚቑ! ተዝፈልጡ ኔይሮም አይምገበሩዎን።” (በቀራ 102) ከምዝበለ። እዚ ዓይነት ሲሕሪ ምምሀር ብሸይጣን ሓገዝ ስለዘለዎ ኩፍሪ እዩ። ነዚ አብ አገልግሎት ምውዓል `ውን ንፍጥረታት ፀላኢ ምዃን፣ ዓመፅ ምግባርን ኩፍሪን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ሳሒር ወይ ካፊር ብምዃኑ ወይ ኸዓ እንተንአሰ ሲሕሪ ስለዝገበረ ዝወሃቦ ፍርዲ ምቅታል ዝኾነ። እቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ሲሕሪ ካፊር ብዝኾነሉ መንገዲ እንተነይሩ ብምኽኒያት ሳሒርን ካፊርን ምዃኑ ይቅተል። እቲ ይሰርሖ ዝነበረ ሲሕሪ ካፊር ብዘይኾነሉ መንገዲ እንተነይሩ ድማ ሳሒር ብምዃኑ ጥራይ ካብ ሕማቕ ስርሑ ሙስሊማት ንምትራፍ ይቅተል።

እዋናዊ