ሕቶ(110): አብ ሞንጎ ግቡእ ሶላትን ፈርድ ሶላትን አፈላላይ አሎ ዶ?
መልሲ:
እወ አብ ሞንጎ ተወሳኺ ምዃንን ግቡእ ምዃንን እቲ ሶላት ፍልልይ አለዎ። ንአብነት ተወሳኺ ንዝኾነ (ሱና) ሶላት ገያሽ ዝኾነ ሰብ ጸበባ ተዘይህሉ `ውን አብ ልዕሊ መጓዓዚኡ ኾይኑ ምስጋድ ይፍቀደሉ። እቲ መጓዓዚ መኪና፣ አየር፣ እንስሳ ወይ ኻሊእ ምዃኑ ብዘየገድስ አብኡ ኮይኑ ሱና ምስጋድ እንተደሊዩ ገፃ ናብ ድላያ ትዙር ምስጋድ ይኽእል። ንሱጁድን ሩኩዕን እናጠቐሰ ምስጋድ ይኽእል። ምኽንያቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ኸምዚ ስለዝገበሩ። (127)
አብ ሞንጎ ግቡእ ምዃንን ተወሳኺ ምዃን ዘሎ እቲ ኻሊእ አፈላላይ: ሓደ ሰብ ግቡእ (ፈርድ ሶላት) እንተጀሚሩ ርሕቅ ንዝበለ ሓጃ ከቋርፅ አይፍቀደሉን። እቲ ሶላት ተወሳኺ (ሱና) እንተኾይኑ ግን ከቋርፅ ይኽእል። ወላ ምኽንያት ዘይብሉ ኮይኑ ከቋርፅ እንተደሊዮ `ውን ከም አበሀህላ ሓደ ሓደ ዑለማታት ዝተፀልአ ይኸውን እምበር ገበን ፈፂሙ አይበሀልን።
እቲ ኻሊእ ፍልልይ ሱና ሶላት እንተገዲፍካ መቅፃዕቲ የብሉን፤ ፈርድ ዝኾነ ሶላት ግን እንተገዲፍካዮ መቅፃዕቲ ዘለዎ ምዃኑ።
ብተወሳኺ ፈርድ ንዝኾነ ሶላት ሶላተል ጀማዓ እንትህልዎ፤ ሱና ሶላት ግን ፍሉይ ብዝኾነ አጋጣሚ እምበር ሶላተል ጀማዓ የብሉን። ከም ሶላተል ኢስቲስቃእ (ዝናብ እንተጠፊኡ ዝስገድ ሶላት)፣ ሶላተል ኩሱፍ (አብ ግርደት ወርሒ ዝስገድ ሶላት) ሱና እያ እንተይልና፣ ወዘተ። ሱና ሶላት ሓሓሊፉ ጀምዓ እንተተሰጊዳ `ውን ፀገም የለን። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሓደ እዋን ምስ ኢብኑ ዓባስ፣ በቲ ኻሊእ ምስ ሑዘይፋ፣ በቲ ኻሊእ ድማ ምስ ኢብኑ መስዑድ እናበሉ ብዝተፈላለየ እዋን ምስ ብፆቶም ይሰግዱ ከምዝነበሩዎ ሓሓሊፉ ምስጋድ ይከአል እዩ።
እብ እዋን ረመዷን `ውን “ግዴታ ከይትግበረሎም”(128)ዝብል ስግአት ተዘይህልዎም ነይሩ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንአስታት ሰለስተ መዓልቲ ከምዝጀመሩዎ ምቀፀሉ ኔሮም። እዚ ድማ አብ እዋን ረመዷን ሶላተል ጀማዓ ምስጋድ ሱና ምዃኑ የርእየና። አብ ኡመቶም ግዴታ ከይትግበረሎም ዝብል ስግአት ሓዲርዎም እምበር ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ይሰግዱዋ ነይሮም። ድሕሪ ምሟት ነቢና ግን ሕጊ አይትቅየርን ሞ እቶም ሱሓበታት ምስጋዶም ቀፂሎም።