ሕቶ(109): ብዛዕባ ተወሳኺ ሶላት ዝበሀሉ ብአንፃር ብሉፅ ምዃኖምን ዓይነቶምን ተፀወይኹምና ደስ ምበለና?
መልሲ:
ረቢ ንባርያታቱ ብዘለዎ ሕዝነት ንኩሉ ዓይነት ዒባዳ ዝመሳሰሎ ተወሳኺ ዝኾነ ዒባዳ ገይሩሉም። ሶላት ንአብነት ካብተን ዘለዋ ግቡአት ተወሳኺ ዝኾነ ናይ ሱና ሶላት ገይሩላ፤ ዘካ ድማ ኸምአ ዝመሰለ ናይ ሱና ሶደቃታት ገይሩላ፣ ፆም `ውን ሓጅ `ውን ከምኦም ዝበለ ተወሳኺ ሱና አለዎም። እዚ ኸዓ አላህ ንባርያታቱ ብዘለዎ ሕዝነት ናብኡ ቀረባ ዝኾኑሉን አጅሪ ዝረኽቡሉን መማረፂ እናስፈሐሎምን ግቡኦም አብ ዝዋፀኡሉ እዋን ንዘምፀኡዎ ስሕተት እናአረመሎምን እዩ። ምኽንያቱ አብ እዋን ትንሳኤ (የውመል ቂያማ) አብተን ግቡአት ዝጎደለ ዝማላእ በተን ሱናታት ስለዝኾነ። አብ ሶላት ካብዘለው ሱናታት ንአብነት እተን ግቡእ ንዝኾኑ ሶላታት ስዒቦም ዝመፁ ሱና (ሱነኑ ረዋቲብ) ማለት ቅድሚ ዙህሪ እዋን ዙህሪ ድሕሪ ምእታው አርባዕተ ረከዓ ክልተ ክልተ ብምግባር፣ ድሕሬኡ ክልተ ረከዓ፣ እዚአን ሽዱሽተ ምስ ዙህሪ ዘለዋ ሱናታት እየን፤ ዓስሪ የብላን፤ ድሕሪ መቕሪብ ክልተ ረከዓ፤ ድሕሪ ዒሻእ ክልተ ረከዓ፤ ቅድሚ ሱብሒ ፍሉይ ብዝኾነ አፍዂስካን ክልተ ረከዓ አብቲ ናይ መጀመሪታ {قل ياأيها الكافرون (الكافرون)} አብቲ ኻልአይ ድማ {قل هو الله أحد} (الإخلاص) ትቀርእ። ወይ ኸዓ {قولوا آمنا بالله وما أنزل إلينا} (البقرة) አብቲ ናይ መጀመረታ አብቲ ኻልአይ ድማ {فل يا أهل الكتاب تعالوا إلى كلمة سواء بيننا وبينكم} (العمران 64) ብምቅራእ ፍልይ ብዝበለ ኩነት ይሰግዳ። ናይ ሱብሒ ሱና ካብዚ ብተወሳኺ ገያሺ ዝኾነ ሰብ ዝሰግዳ ብሉፅ ብምዃናን ዓብይ ደረጃ ተርክብ ብምዃናን ትፍለይ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባአ “ናይ ሱብሒ ሱና ካብ ብዱንያን ዱንያ ካብ ዝሓዘቶምን ትብልፅ” (124) ዝበሉዋ እያ።
ካብ ሶላት ንረኽቦ እቲ ኻሊእ ሱና ዊትሪ እዩ። አፀቢቅና ንሕዝ ካብ ዝግበአናን ሓድሓደ ዑለማታት ግዴታ እያ ዝበሉላን ዓይነት ሱና እያ። ኢማም አሕመድ ብዛዕባ ሶላተ ለይል “ዊትሪ ዝገደፈ ዝህቦ ቃል ምስክርነት ዘይተሓዘሉ እኩይ ሰብ እዩ።” ናይ ሶላተል ለይል መዛዘሚት ድማ እያ። ለይቲ አይለዓል ዝብል ስግአት ዘለዎ ሰብ ቅድሚ ድቃስ ክትስግድ ዝግበአ እያ። ከምዝለዓል ትፅቢትዝገብር እንተኾይኑ ግን አብ እዋን ሱሑር ይስገዳ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ “ናይ ለይቲ መዛዘሚ ሶላትኩም ዊትሪ ግበሩዎ” (125) ኢሎም አለው። እቲ ዝነአሰ ሓደ ረከዓ እንትኾን እቲ ዝለዓለ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝሰርሑዎ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ረከዓ እዩ። ብዝተማልአ መንገዲ እቲ ዝነአሰ ሰለስተ ረከዓ ኾይኑ እንተደሊዮ ብሓደ ተሸሁድን ሓደ ተስሊምን (ሰለስቲአን ምስወደአ አብመውዳእታ ጥራይ ምግባር ይኽእል) እንተደሊዩ ኸዓ ብክልተ ተሸሁድ ብክልተ ተስሊምን (አብ ኻልአይ ተሸሁድ ገይሩ ምስ አሰላመተ ሓደ ረከዓ ንበይኑ) ምግባር ይኽእል ፤ ብሓሙሽተ፣ ወይ ብሸውዓተ ዊትሪ ክገብር እንተደሊዩ እውን ብሓደ ተሸሁድን ሓደ ተስሊምን ጥራይ እንተደሊዩ ድማ ክልተ ክልተ እናገበረ ምስጋድ ይኽእል። ብትሽዓተ ዊትሪ ክገብር እንተደሊዩ `ውን ክሳብ ሻምናይ ዘሎ ብሓደ ተሸሁድ ብምግባር ታሽዐይቲ በይና ብምውሳኽ ብክልተ ተሸሁድን ብክልተ ተስሊምን ምግባር ይኽእል። ብዓሰርተ ሓደ ዊትሪ ምግባር እንተደሊዩ ድማ ካብ ሸምናይቲ ክልተ ረከዓ ወሲኹ ተስሊም ምስገበረ ሓንቲ ረከዓ በይና ምስጋድ ይኽእል።
ዊትሪ ዝረሰዓ ወይ ኸዓ ከይሰገዳ ዝደቀሰ ኸዓ አብ እዋን ቀትሪ ዊትሪ (ንክልተ ብዘይመቀል ቁፅሪ ብዝሓት) ገይሩ ከይኮነ ሸፍዒ (ንክልተ ብዝምቀል ቁፅሪ ብዝሓት) ገይሩ ክሰግዳ ይኽእል። ቅድሚ ሕዚ አብ እዋን ለይቲ ዝሰግዳ ሰለስተ ገይሩ እንተነይሩ ሕዚ አርባዕተ ገይሩ ይሰግዳ። ምኽንያቱ “ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሶላተል ለይል ዘይሰገዱ ድቃስ እንተወሲድዎም አብ እዋን ቀትሪ ዓሰርተ ክልተ ገይሮም ይሰግዱዋ ነይሮም” (126)
(126)