Back to Top

ሕቶ(107): ብዛዕባ ሕብረት ሶላት ተረዲእና ኢና ሞ ርክብ መእሙም ምስ ኢማሙ እንታይ ክመስል ከምዝግባእ አረድኡና?
መልሲ:

መእሙም ምስ ኢማሙ ዘለዎ ርክብ ናይ ሰዓቢነት ርክብ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም መራሒ ሶላት (ኢማም) ዝተገበረ ኽመርሕ እዩ፤ ‹አሏሁ አክበር› እንተይሉ ድሕሬኡ ‹አሏሁ አክበር› በሉ: ንሱ ‹አሏሁ አክበር› ቅድሚ ምባሉ ንስኹም ‹አሏሁ አክበር› ከይትብሉ፤ ሩኩዕ እንተገይሩ ረኩዕ ግበሩ: ንሱ ቅድሚ ሩኩዕ ምግባሩ ንስኹም ከይትገብሩ፤ ‹ሰሚዐ ሏሁ ሊመን ሓሚዳህ› እንተይሉ ‹አሏሁመ ረበና ወለከል ሐምድ› በሉ፤ ሱጁድ እንተገይሩ ንስኹም `ውን ሱጁድ ግበሩ: ቅድሚ ንሱ ሱጁድ ምግባሩ ከይትገብሩ፤ ጠጠው ኢሉ አንተሰጊዱ ንስኹም `ውን ጠጠው ኢልኩም ስገዱ: ኮፍ ኢሉ እንተሰጊዱ ንስኹም `ውን ብሓፈሻ ኮፍ ኢልኩም ስገዱ። (121) ዝበሉ።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ናይ መእሙም (ሰዓቢ) ምስ ኢማም ዘለዎ ረኽቢ አርባዕተ ዓይነት ይኸውን: ምስዓብ፣ ማዕረ ምኻድ፣ ምቅዳምን ምድንጓይን ይኾኑ።

ምስዓብ ማለት አብ እዋን ሶላት እቲ ኢማም ምስገበረ ስዒብካ ምግባር እንትኾን ኢማሙ ሩኩዕ ምሰወረደ ከይደንጎየ ስዒቡ ሩኩዕ ምውራድ፣ ኢማሙ ሱጁድ ምስወረደ ድማ `ውን ከይደንጎየ ስዒቡ ሱጁድ ምውራዱ ማለት እዩ።

ማዕረ ምኻድ ማለት ድማ አብ እዋን ሶላት ኢማሙ ኽሰርሕ ከሎ ብሓባር ምስራሕ ማለት እዩ። ኢማሙ ሩኩዕ እንትወርድ ምስ ናይ ኢማም ሩኩዕ ብሓባር ሩኩዕ ምውራዱ: ኢማሙ ሱጁድ እንትወርድ  ሓባር ሱጁድ ምውራዱ: ኢማሙ ኮፍ እንትብል `ውን ምስ ናይ ኢማሙ ኮፍ ምባል ብሓባር ኮፍ ንኽብል ማለት እዩ።

ምቅዳም ክንብል ከለና ድማ አብ እዋን ሶላት ነቲ ኢማም ቀዲሙ ክሰርሕ ማለት እዩ። ቅድሚ እቲ ኢማሙ ሩኩዕ ምግባሩ ሩኩዕ እንትገብር፣ ሱጁድ `ውን ኸምኡ ኮፍ አብ ምባል `ውን ኸምኡ አብ ኻልኦት `ውን ኸምኡ እናገበረ ዝቅድሞ እንተኾይኑ ማለት እዩ።

ምድንጓይ ክንብል ከለና ድማ ነቲ ኢማም አብ ዝስዕበሉ እዋን በቲ ናይ ኢማሙ ምንቅስቃስን ብናቱ ምንቅስቃስን ዘሎ ርክብ ክድንጉይ ከሎ ማለት እዩ። ኢማሙ ሩኩዕ ክገብር ከሎ ጠጠው ኢሉ ፋቲሐ እናቀርአ ክተርፍ፣ እቲ ኢማም ሱጁድ እንትወርድ ኸዓ ጠጠው ኢሉ እናዘከረ ክተርፍ ማለት እዩ። እዚአን ዝተሐበራ ካብ ምስዓብ ወፃኢ ዘለው ኩለን ዉጉዝ እዮም።

እቲ ንኢማሙ ዝቅድም ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም “‹አሏሁ አክበር ቅድሚ ምባሉአሏሁ አክበርከይትብልሩኩዕ ቅድሚ ምግባሩ ሩኩዕ ከይትገብሩ ዝብል ቃል ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም እናተፃረረ እዩ።(122)

ነቲ ኢማም ዝቅድም ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ቅድሚ ኢማሙ ርእሱ ዘልዕል ሰብ አሏህ ርእሱ ርእሲ አድጊ ከይገብረሉ አይፈርሕን ድዩ? ወይ ከዓ ቅርጹ ናይ አድጊ ቅርጺ ከይገብረሉ አይፈርሕን ዶ? ካብ ዝበሉዎ ብፅሒቱ አለዎ። (123)

እቲ ዝድንጉይ ኸዓ ሰዓብነቱ ቅኑዕ አይገበረን። ምኽንያቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም “እቲ ኢማም አሏሁ አክበር ምስበለ አሏሁ አክበር በሉ” አብ ዝበሉዎ ሐረግ ዝተጠቀሙሉ አገላልፃ ስዒቡ ክግበር ከምዝግበኦ ብዘመላኽት መንገዲ እዩ።

ምቅዳም ኢማም ድማ ሐራም እዩ። ማዕረ ምኻድ ውጉዝ ጥራይ እዩ ዝበሉ አለው ሐራም እዩ ዝበሉ `ውን አለው። ምድንጓይ ተንአሰ ውጉዝ እዩ። ምስዓብ ግን ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝአዘዙዎ እዩ።

እዋናዊ