Back to Top

ሕቶ(106): ብዛዕባ ሶላት ዘለዋ ፍርዲ፣ ቅድመ ኩነታታ፣ ዓንዲታታን ግቡአታን ተዘራሪብና: ብዛዕባ ርሰዐ ሱጁድ (ሱጁድ ሰህው) `ውን ተዘራሪብና ሕዚ ድማ ብዛዕባ ሶላተል ጀማዓ ፍርዲ ተትዘራረብና ስር ብንሰደሉ መንገዲ ተፈለጥናን ደስ ምበለና?
መልሲ:

ሶላተል ጀማዓ (ናይ ሕብረት ሶላት) ዓበይቲን አገደስትን ካብ ዝበሀሉ ዒባዳታት ሓደ እያ። አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ብቁርአኑ አብ እዋን ኲናት `ኳ ከይትተርፍ ሓቢሩና እዩ። አብ ሞንጎኦም ኾይንካ ሶላት ንኽሰግዱ አብ ዝገበርካዮም እዋን ካብኦም ሓንቲ ጋንታ ምስአኻ ጠጠው ትበል። መሳርሒኦም `ውን ይሓዙ። ሱጁድ አብ እትገብሩሉ እዋን ብድሕሬኹም ይኹኑ፤ (እዚኦም ይኺዱ ሞ) እታ ኻሊእቲ ዘይሰገደት ጋንታ ትምፃእ። ምሳኻ ይስገዱ። ጥንቃቐን መሳርሒኦምን ይሓዙ” (ኒሳእ 102)

አብ ናይ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሓዲሥ ብዛዕባ ሶላት ምስ ሕብረት ምስጋድ ግቡእ ምዃን ዘመላኽቱ ብዙሓት ሓዲሣት አለው። ንአብነት: ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሰባት ሶላት ንኽሰገዱ ብናተይ መተካእታ ዝኾን ሰብ ገይረ ኻልኦት ድማ ንሓዊ ዝኾን ዕንፀይቲ ሒዞም ክስዕቡኒ ካብ ናብ ሶላተል ጀመዓ ንዘይመፀ ሰብ አብ ገዛኡ ኸይደ ብሓዊ ከቃፅሎ ይሓስብ (117) ከምዝበሉዎ። ብተወሳኺ. ኸዓእኹል ምኽንያት ተዘይሀሊይዎ አዛን እናሰምዐ ዘይመፀ ሶላት የብሉን (ተሰገደ `ውን ረቢ አይቅበሎን)” (118) ነቲ አብ ገዛ ንምስጋድ ተፈቀዱለይ ኢሉ ዝመፀ ገራድ ብርሀን አዛን ትሰምዕ ? ኢሎሞእወ ምስበሎም እንተኾይኑ ማ ምላሽ ሀባ (119) ዝበሉዎ። ኢብኑ መስዑድ ድማ “ካብአ (ሶላተል ጀማዓ) ሙናፊቅ ንምዃኑ ዝፈለየሉ፣ ወይ ኸዓ ሕሙም እምበር ማንም ከይተረፈ ኮ ሪእናያ ኢና፤ ሕሙም `ውን ብክልተ ሰባት ተደጊፉ እናመፀ አብ ሶፍ ጠጠው እናበሉዎ ይሰገድ ነይሩ” (120) ቅኑዕ ዝኾነ ምስትውዓል `ውን ግቡእ ንምዃና ይፈርዶ። ኡመተል ኢስላም ሓንቲ እያ፤ ሓድነታ ዝረጋገፅ ድማ ዓብይ ናይ ዓበይቲ ዒባዳታት አብ ዝኾነት ሶላት ትእከብ እንተኾይና እዩ። ስለዚ አብዛ ኡማ አብ ሶለት ክትእከብ ግድን ኾና።

ዑለማታት ኢስላም ብዘይ ፍልልይ አገደስቲን ዓበይትን ካብ ዝበሀሉ ዒባዳታት ንምዃና ድሕሪ ምርግጋፆም ብጀምዓ ምስጋድን ዘይምስጋድን ንሶላት ከም ቅድመኩነት ኮይኑ ብጀምዓ ንዘይሰገደ ሶላቱ አይቅበሎን ምባል ንኽእል ዶ አብ ዝብል አፈላላይ አለዎም። እቲ ልክዕ ቃል ዑለማታት ዋላ ከም ቅደመ ኩነት አይትኹን እምበር ግቡእ እያ ዝብል እዩ። ሶላተል ጀማዓ ዝገደፈ ግን እኹል ምኽንያት እንተዘይብሉ ገበን ፈፂሙ ክንብል ንኽእል። ነቲ ሶላት ከም ቅድመ ኩነት ከምዘይትኾን መበገሲና ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ሞንጎ በይንኻ ምስጋድን ምስጀማዓ ምስጋድን ስለዘወዳደሩ እዩ። ምውድዳሮም ድማ በይንኻ ምስጋድ `ውን ንተወዳዳርነት እኹል ዝገብሮ ደረጃ አለዎ ማለት እዩ፤ እዚ ዝኾን ድማ እታ ሶላት ቅኑዕን ልክዕን እንተኾይና እዩ።

በዚ በለ በቲ ሙስሊም ኾይኑ ዕድመኡ ዝበፅሐ ኩሉ አብ ዓዱ ኾይኑ ይኹን ገያሺ ኾይኑ ሶላተል ጀማዓ ክሰግድ አለዎ።

እዋናዊ