Back to Top

ሕቶ(100): ብዛዕባ ማእዘናትን አገደስቲ መግለፅታትን ሶላት ፈሊጥና: ሕጅ ድማ ዋጅባት (ግቡአት) ሶላት ተንፈልጥ ደስ ምበለና?
መልሲ:

ዋጅባት (ግቡአት) ሶላት ማለት ሓደ ሰብ እናፈለጠ እንተገዲፉወን ሶላቱ ከዕንዋሉ ፤ ብርሰዐ እንተገዲፉወን ኸዓ ሱጁድ ሰህው (ናይ ርሰዐ ሱጁድ) ብምግባር ዝሕክመሉ ዓይነታት ቃላትን ምግባራትን እዮም። ንአብነት: ካብ ተክቢረተል ኢሕራም (ናይ መጀመርታ ተክቢራ) ወፃኢ ዘለው ተክቢራት (አሏሁ አክበር ምባል) ዋጅባት እዮም፤ ተክቢረተል ኢሕራም ግን ሶላቱ ብዘይካ ንሳ ሶላት ዘይኮነላ ብኻሊእ `ውን ዘይትሕከም ዓንዲ እያ። ካብዚአን ግን ኢማሙ አብ ሩኩዕ ከሎ ንዝመፀ ተኸታሊ (መእሙም) ተክቢረተል ኢሕራም ድሕሪ ምግባሩ ናብ ሩኩዕ እንትወርድ ተክቢራ ምባሉ ከም አበሃህላ ዑለማታት ፊቅህ ሱና ይኾነሉ።

ዋጅብ (ግቡእ) ካብ ዝኾኑ ነገራት እቲ ኻሊእ አብ ሱጁድ “ሱብሓነ ረቢየል አዕላ” አብ ሩኩዕ ድማ “ሱብሓነ ረቢየል ዓዚም” ምባሉ።

ዋጅብ ካብ ዝኾኑ ነገራት ካብ ሩኩዕ ከልግስ ከሎ “ሰሚዐሏሁ ሊመን ሐሚደህ” ምባሉን ንኢማምን በይኑ ንዝሰግድን “ረበና ወለከል ሐምድ” ምባሉ። እቲ መእሙም (ሰዓቢ ኾይኑ ዝሰግድ) ግን “ረበና ወለከል ሐምድ” ጥራይ እዩ ዝብል።

እዚአን ዋጅባት (ግቡአት) እናፈለጠ እንተገዲፉወን  ሶላቱ የዕንዋ። ብርሰዐ እንተገዲፉዋ ግን ብሱጁድ ሰህው (ናይ ርሰዐ ሱጁድ) ይሕከም: ሶላቱ `ውን ልክዕ እዩ። ካብ ዓበደሏህ ኢብኑ ቡሐይና ብዝተመሓላለፈ ሓዲሥ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ረሲዖም አብ ኻልአይ ረከዓ ተሸሁድ (ተሕያቱ) ከይበሉ አብ ዝለዓሉሉ እዋን ሶላቶም መስወደኡ እቶም ሱሐበታት ምስልማት እናተፀበዩ ነቢና ኸዓ ሱጁደ ሰህ ስለዝገበሩ እዩ። (112)


112

እዋናዊ