Back to Top

ሕቶ(89): ቅድመ ኩነታት(ሹሩጥ) ሶላት እንታይ እንታይ እዮም? ስዒቦም ዝመፁ ሕግታት ከ እንታይ እንታይ እዮም?
መልሲ:

ቅድመ ኩነታት(ሹሩጥ) ሶላት ማለት ናይቲ ሶላት ልክዕ ምዃንን ዘይምዃንን ዝረጋገፀሉ እዩ። ቅድመ ኩነት ንዝብል ቃል ብዓረብኛ “ሹሩጥ” ይበሀል። ብቋንቋ ዓረብኛ “ሹሩጥ” ዝብል ቃል ምልክት ዝብል ትርጉም እንትህልዎ ብአጠቃቅማ ዑለማታት ኢስላም (ቴክኒካዊ) ትርጉሙ ኸዓ “ንሱ (እቲ ቅድመ ኩነት ዝተገበረ) እንተዘይተረኺቡ (እቲ ቅድመ ኩነት ዝተገበረሉ `ውን) ንኸይርከብ ግድን ዝኾነ፤ ንሱ ተረኺቡ ማለት ግን እቲ (ቅድመ ኩነት ዝተገበረሉ) ተረኺቡ ማለት ዘይኮነ” ኢሎም ይገልፁዎ።

ቅድመ ኩነታት ሶላት ብዙሓት እዮም: እቶም አገደስቲ ዝበሀሉ

ጊዜ ምሕላው ረቡና ሱብሓነሁ ሶላት አብ አመንቲ ብእዋን ዝተደረተት ግቡእ እያ (ኒሳእ 103) ከምዝበለና። ስለዚ ድማ እዩ ጊዜ ንምሕላው ብዙሕ ሕግታት ዝወድቁ። ሶላት እዋና ሓልያ ክትስገድ ግቡእ እዩ። ብዛዕባ እዋናት ሶላት `ውን አለህ ብቁርአኑ ሓፈሻዊ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ኸዓ ብሓዲሦም ብዝርዝር መብርሂ ሂቦምና እዮም።

አሏህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ሶላት ካብ ድንን ምባል ፀሓይ ክሳብ ደልሀመት ለይቲ ስገድ። ናይ ወጋሕታ ሶላት `ውን ስገድ። ናይ ወጋሕታ [ፈጅሪ] ሶላት (መላኢካታት) ዝዕደሙሉ እዩ” (ኢስራእ 78) በዚ ዝርከብ ካብ ድንን ምባል ፀሓይ (ፋዱስ) ክሳብ ደልሀመት ለይቲ(ፍርቂ ለይቲ) ዝብል አርባዕተ ዓይነት ሶላት ዙህሪ፣ ዓስሪ፣ መቕሪብን ዒሻን የጠቓልል።

እዘን ወቅትታት ሶላት ኩሎም አብ ሞንጎ ዘይብሎም ተኸታተልቲ እዮም። ናይ ዙህሪ ወቅቲ ፀሓይ ልዕሊ ቅርቅርቲ ርእሲ ውዒላ ድንን ካብ ዝበለትሉ ክሳብ ናይ ኩሉ ነገር ፅላል ምስቁመቱ ዝመዓረየሉ፤ ዓስሪ ድማ ፅላል ማዕረ ካብ ዝኾነሉ ክሳብ እታ ፀሓይ ቢጫ ትኾነሉ ወይ ድማ ፅንሕ ኢላ ክሳብ እትአቱ፤ መቕሪብ ድማ ፀሓይ ካብ ዝአተወትሉ እታ ወርሒ ቅይሕ ክሳብ እትብለሉ ዘሎ፤ ዒሻ ድማ ካብ ድሕሪ ሰዓት መቕሪብ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዘሎ ሰዓት እዩ። እዚኦም አርባዕተ ዝተአሳሰሩ ሶላት እዮም። ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ፈጅሪ (ወጋሕታ ለይቲ) ዝወፅእ ግን ሶላት የለን። ናይ ሶላት ሱብሒ (ፈጅሪ) ወቅቲ ከዓ እቲ ፈጅሪ (ወጋሕታ ለይቲ) ካብ ዝወፀ ጀሚሩ ክሳብ ፀሓይ ዝወፅ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ካብቶም ተኸታተልቲ ፈልዩ ንበይኑ “ናይ ወጋሕታ ሶላት `ውን ስገድ” ኢሉ “ናይ ወጋሕታ (ፈጅሪ) ሶላት መላኢካታት ዝዕደሙሉ እዩ” ዝበለ። ሱና (ሓዲሥ) ኸዓ ነዚ ምስመብርሂኡ እዩ መፂኡ።

እዚአን እየን ናይ ሓሙሽቲአን ሶላት ወቅቲ (ጊዜ) ዝበሀላ፤ ካብ ዝተውሀበን ሰዓት ምቅዳም ይኹን ምድንጓይ አይከአልን። ካብ ዝተውሀበን ሰዓት ወላ ክንድ ተክቢረተል ኢሕራም መበሊ ሰዓት እንተቀዲሙ እቲ ሶላት ልክዕ አይኮንን። ምኽንያቱ ሶላት ክስገድ ዝግበኦ በቲ ዝተውሀቦ ግዜኡ ሓሊው ስለዝኾነ። ብሸሪዓ ተቀባልነት ብዘለዎ ምኽንያት ዘሕለፈ ግን እቲ ምኽንያት ምስተወገደ ይሰግድ። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሶላት ደቂሱ ወይከዓ ረሲዑ ዝሓለፎ ምስዘከረ ይስገድ፤ ካብዚ ወፃኢ መሰረዚ የብላን።(84) ምስበሉ ሶላት ንዓይ ንምዝካር ስገድ (ጧሀ 14) ዝብል ቃል ረቢ ቀርኡ። ብሸሪዓ ተቀባልነት ብዘይብሉ (ካብ ድቃስን ርሰዐን ወፃኢ ብዘሎ) ምኽንያት እንተሓሊፍዎ ግን ወላ ሽሕ ግዜ ይስገድ እቲ ሶላቱ ልክዕ አይኮነን። ሓደ ሰብ ብዘይ እኹል ምኽንያት ሶላቱ አብ እዋኑ ዘይሰገዳ ካብኡ ምስሓለፈቶ ዋላ ሽሕ ግዜ እንተሰጊድዋ እታ ሶላቱ አይትጠቕሞን ሓላፍነቱ `ውን አይተወፅአን። ምኽንያቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ናትና ትእዛዝ ዘይብሉ ስራሕ ዝሰርሐ እቲ ስርሑ ይምለሰሉ (ረቢ አይቅበሎን) (85) ብዘይ እኹል ምኽንያት ሶላት እዋኑ ክሳብ ዝሓልፍ ብምግዳፍ እዋና ምስሓለፈ ዝሰገደ ድማ ካብ ትእዛዝ አላህን ልኡኹን ወፃኢ ኮይኑ እዩ ሰጊድዋ፤ ስለዚ ትምለሰሉ።

አብ እዋኑ ንምስጋድ ጸበባ ዝኾኖም እንተኾይኑ ረቢ ብዘለዎ ሕዝነት ዝሁርን ዓሱርን: መቕሪብን ዒሻን እኩብ(ጀምዕ) እናገበሩ ምስጋድ ፈቂዱ አፍዂስሎም። ሓደ ሰብ ኩሎም ሶላት በብእዋኑ ንምስጋድ ዘይኽእለሉ እኹል ምኽንያት (ከም ጉዕዞ ዓይነት) እንተሀሊውዎ ክልተ ክለተ ገይሩ  ክሰግደን ይኽእል። ምኽንያቱ አላህ አላህ ንዓኹም ክገርሀልኹም ይደሊ ከሸግረኩም አይደሊን።” (በቀራ 185) ሙስሊም ካብ ኢብኑ ዓባስ ብዝፀብፀቦ ሓዲሥ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ መዲና ኮይኖም ካብ ጉዕዞ (ሰፈር)ን ዝናብን ወፃኢ ብዝኾነ ምኽንያት አብ ሞንጎ ዙህርን ዓሱርን ከምኡ `ውን አብ ሞንጎ መቕሪብን ዒሻን ጀምዕ ከምዝገበሩ ይሕብር። ብዛዕባኡ ኢብኑ ዓባስ ኸዓ [ማለት ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ከመይ ብዜካ ዝናብ ወይከዓ ሰፈር ጀምዕ ከምዝገበሩ?] ምስተሓተቱ ኢብኑ ዓባስ ድማ ‹አብ ህዝቦም ከየጽብቡ ኢሎም `ዮም ኸምዚ ዝገበሩ› ብምባል መለሱ (86) አብዚ ሓዲሥ መበገሲ ብምግባር ድማ ሓደ ሰብ ጀምዕ ብዘይምግባሩ ዘጨንቖን ጸበባ ዝፈጥረሉን እንተኾይኑ አብ ሞንጎ ዙህርን ዓስርን፣ መቕሪብን ዒሻን ጀምዕ ምግባር ከምዝኽእል የረድአና።

በዚ በለ በቲ እዋን ምሕላው አዝዩ አገዳሲ እዩ።

ሶላት ካብ ዘለውዋ ቅድመ ኩነታት እቲ ኻሊእ ዓውረት (መሳርዕ ሕፍረት) ምጉልባብ። አላህ ብቁርአኑ ኦ! አንቱም ደቅ ሰብ (መሳርዕ ሕፍረት) ትሽፍኑሉ ኽዳውንትኹም አብ ኩሉ መስጅድ ሓዙ፤ ብልዑ፣ ስተዩ፣ አይተባኽኑ (አል አዕራፍ 31) ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ኸዓ ንጃቢር ቢን ዓብደላህ ሰፊሕ እነትኾይኑ ተጎልበቦ፤ ፀቢብ እንተኾይኑ ድማ ተሸረጦ(87) ኢሎም ስለዝአዘዙዎ። አቡ ሁረይራ ብዘመሓላለፎ ሓዲሥ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብአኹም ሓደ አብ ማእገሩ ኽዳን ዘይብሉ ኮይኑ ብሓደ ኽዳን ጥራይ አይስገድ (88) ስለዝበሉ። እዚ ድማ ሓደ ሰብ አብ እዋን ሶላት ነብሱ ክስትር ከምዘለዎ የረድአና። ዓብዱልበር ዝተብሀለ ዓሊም በዚ መዳይ አብ ሞንጎ ዑለማታት ኢስላም ኢጅማዕ (ሓድነት ድምፂ) ከምዘሎ ይገልፅ። መሳርዕ ሕፍረቱ ክሽፍን እናኸአለ ዘይሸፈነ ድማ ሶላቱ ቅቡል አይኮነን።

በዚ መዳይ ዑለማታት ኢስላም መሳርዕ ሕፍረት ናብ ሰለስተ ይመቅሉዎ። ቀሊል፣ ማእኸላይን ከቢድ መሳርዕ ሕፍረት ኢሎም ይመቅሉዎ። ከቢድ: ነብሲ ጭዋን ንዕምበባ ዝበፅሐትን ጓል አነስተይቲ፤ ብአእዳዋን ብአእጋራን አብ ሞንጎኦም ፍልልይ ከምዘሎ ኾይኑ ብዜካ ገፃ ኩሉ ነብሳ መሳርዕ ሕፍረት አዩ ይብሉ። እቲ ቀሊል ዝተብሀለ ድማ ዕድመኡ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዘሎ ወድ ተባዕታይ መሳርዕ ሽንቱን ፍታኑን ግዴታ ኾይኑዎ ቆልዓ ብምዃኑ ሸለፉ ግዴታ አይኮኖን። እቲ ማእኸላይ ድማ ካቢዚአን ወፃኢ ዝኾነ ኩሉ። ንኸምዚ ዓይነት እቲ ግቡኡ ካብ ሕምብርቱ ክሳብ ጉልበት አእጋሩ ምሽፋን እዩ ኢሎም። ዕድመኡ ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ዝኾነ ወድተባዕታይ፣ ንዕምበባ ዘይበፅሐት ጓል አነስተይቲን ባርያ ዝኾነትን አብዚ ይጠቃለሉ። ብኸምዚ ከሎ አብ ኩሉ ሶላት መጋየፁ ክትሕዝን ዝተማልአ ኽዳኑ ክኽደንን ናይ ኩሉ ሙስሊም ግቡኡ እዩ ንብል። ይኹን ደአ `ምበር ሓደ ሰብ ንክሽፍኖ ግቡኡ አብ ዝኾነ ቦታ ዝተቀደደ እንተሀሊይዎ ሰጊዱ ሶላቱ ቅቡል ዶ አይኮነን ንክበሀል ይፃረይ። ካብዚ ብተወሳኺ ሓንቲ ጓል አነስተይቲ ብሸሪዓ ጓና ዝኾንዋ (ዘለዎም ሕውነት ሓዳር ንምግባር ዘይዕንቅፎም) ደቂ ተባዕትዮ ብዙርያአ እንተልዮም አብ ሶላት `ውን እንተኾነ ገፃ ንኽትሽፍን ግድን ይኾና። ምኽንያቱ ጓል አነስተይቲ ብሸሪዓ ጓና አብ ዝኾኑዋ አወዳት ጠቃ ገፃ ክትገልፅ ስለዘይፍቀደላ እዩ።

እዋናዊ