ሕቶ(126): ዘካ ከም ኢስላም ዘለዎ ፍርዲ እንታይ እዩ?
መልሲ:
ዘካ ከም ኢስላም ካብ ሓሙሽተ ዓንድታቱ ሓደ እዩ። ምኽኒያቱ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም “ኢስላም ካብ ሓሙሽተ እዩ ተሀኒፁ ፤ ‹ላ ኢላህ ኢለሏህ ሙሓመዱን ረሱለሏህ›ብዝብል ቃል ምስክነትኻ ምሀብ፣ ሶላት ግቡአታ ሓሊው ምስጋድ፣ ዘካ ምሀብ፣ ወርሒ ረመዷን ምጿምን በይቱሏሂል ሓራም ሐጅ ምግባርን እዮም” (147) ስለዝበሉ። እዚ ኸዓ ግቡእ ንምዃኑ ኩሉ ሙስሊም (ኢጅማዕ ብዘለዎ) ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ። ወይ ንኢስላም ሓዱሽ፣ ወይ ዝዓበየሉ ኸባቢ ካብ ፍልጠት ኢስላም ዝረሓቀ እንተዘይኾይኑ ግቡእ ምዃና ዘይተቀበለ ካፊር ኮይኑ እዩ። ግን ዘይፈልጥ እንተነይሩ ንኽፈልጥ ይግበር ፤ ምስአፍለጡዎ `ውን ግቡእ ምዃኑ እንተዘይተቐቢሉ ካፊር ኮይኑ እዩ።
ጠማዕ (ስሰዐ ዘለዎ) ስለዝኾነ ወይ ሸለል ብምባሉ ዘካ ዘይሀበ ግን ብዛዕባኡ አብ ሞንጎ ዑለማታት ኢስላም ፍልልይ ሓሳብ አሎ። ገለ ዑለማታት ኢስላም ከምኒ ኢማም አሕመድ በቲ ሓደ ፀብፃብ “ካፊር” ይኸውን እዩ ይብሉ። ገሊኦም ኸዓ ካፊር አይኸውንን እዩ ይብሉ። እቲ ሓቂ `ውን እቲ ገበኑ ዓብይ ምስምዃኑ አይከፍርን ዝብል እዩ። ነዚ ዘለና መርትዖ አቡ ሁረይራ ብዘመሓላለፎ ሓዲሥ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባ ዘካ ወርቅን ብሩርን ዘይህብ ሰብ መቕፃዕቲ አብ ዝገልፁሉ እዋን “… አላህ አብ ሞንጎ ባርያታቱ ፍርዲ ሂቡ ናብ ጀነት ዶ ናብ ጀሀነም ክሳብ ዝፈልጥ ይሳቐ።” (148) ኢሎም እዮም። ናብ ጀነት ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ ማለት ካፊር አይኮነን ማለት እዩ። ምኽኒያቱ ካፊር ናብ ጀነት ክኸውን ትፅቢት ስለዘይገብር።
ይኹን ደአ`ምበር ጠማዕ ብምዃኑ ወይ ሸለል ብምባሉ ስለዘይሀበ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “እዞም አላህ ካብ ረድኤቱ ብዝሀቦም ገንዘብ ብቃቓት ዝኾኑ ንዐኦም ዝሓሸ አይምሰሎም ፤ እኳደአስ ንዐኦም ሕማቕ እዩ። እቲ በቃቕ ዝኾኑ አብ ምፅአት መዓልቲ ይጉለበቡዎ።…” (አል‐ዒምራን 180) ኸምኡ `ውን “እቶም ወርቅን ብሩርን ዘኽዝኑ ብመንገዲ ረቢ ዘየውፅኡዋ ብዘሳቕይ መቕፃዕቲ አብስሮም።{34} አብአ አብ ውሽጢ ጀሀነም እተወጥሑ ኮይኖም ገፆም፣ ጎኖም፣ ሕቆኦም `ውን አብአ አብ ዝቃፀለሉ እዋን (ሓያል መቕፃዕቲ አለዎም)። እዚ እዩ ንነፍስኹም ዝኸዘንኩሞ ፤ ዝኸዘንኩሞ ጥዓሙ (ይበሀሉ)።” (ተውባ 34‐35) ሙስሊም ዝኾነ ሰብ “ዘካ” ንኸውፅእ፣ ረቢ `ውን በረከትን ሽሻዩን ንኽዛይደሉ ካብ ረድኤቱ ብዝሀቦ ሽሻይ ንኸመስግን ግቡኡ እዩ። ፍቃድ ረቢ ኸይሪ ይኹነልና!
------------------------
(129): ሙስሊም: ኪታቡል ቢር (ሰናይ ምግባር): ባብ “ይቕረ በሀልነትን ትሕትናን ዝፍቶ ምዃኑ” ቁፅሪ (2588)
(130) አቡ ዳውድ: ኪታቡል ኢጃራ (ዓስቢ): ባብ “ብዛዕባ ገንዘብ እናሀለዎ ዝሽየጥ ባርያ” ቁፅሪ (3435) ፤ አብ አመሓላለፍቲ ሓዲሥ ዘይፍለጥ አሎ ንሱ `ውን እቲ ፀብፃቢ እዩ። ካብ ጃቢር ቢን ዓብደላህ: እቲ ሓዲሥ ሶሒሕ ንምዃኑ ካብ ኢብኑ ዑመር ዝመፀ “ገንዘብ ዘለዎ ባርያ ዝዓደገ እቲ ሸያጢ ከምቅድመ ኩነት ክሳብ ዘይገበረ እቲ ገንዘብ ናይቲ ዓዳጊ እዩ ዝኸውን።” ዝብል ሓዲሥ የጠናኽረልና።. ፤ ቡኻሪ: ኪታቡል መሳቃት (ዝስተዩ ነገራት): ባብ “ዝኾነ ሰብ አብ ሓፁር ወይ ተምሪ መሕለፊ ወይ ኸዓ ዝሰተ እንተሀልይዎ” ቁፅሪ (2379) ፤ ሙስሊም: ኪታቡ አል‐ቡዩዕ (ዕዳጋ): ባብ “ፍርያት ዘለዎ ተኽሊ ዝዓደገ” ቁፅሪ (1543)
(131) አሕሊፍናዮ
(132) ሓሊፉ
(133) አቡ ዳውድ: ኪታቡ ዘካ: ባብ “እንታይነት ምኽዛንን ዘካ ገይፅን” ቁፅሪ (1563) ፤ ቲርሚዚ: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ብዛዕባ ዘካ ገይፂ ዝመፀ” ቁፅሪ (637) ፤ ነሳኢይ: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ዘካ ገይፂ” ቁፅሪ (2479) ፤ ሓኪም አብ “ሙስተድረክ” ሶሒሕ ሓዲሥ እዩ ኢሎም። “(1/390)”
(134) ቡኻሪይ: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ካብ ሰማይ ብዝኾነ ማይ ንዝበቆለ 1/10 ምዃኑ” ቁፅሪ (1483)
(135) ቡኽሪይ: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ዘካ ገንዘብ” ፤ ሙስሊም: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ትሕቲ ሓሙሽተ አውሱቅ ዝኾነ ግቡእ ዘካ ከምዘይብሉ” ቁፅሪ (979)
(136) አሕሊፍናዮ ኢና
(137) ቡኻሪይ: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ዘካ አባጊዕን አጣልን” ቁፅሪ (1454)
(138) አቡ ዳውድ: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ዘካ ናይ ሳኢማ (ናፃ ዝኾነት እንሰሳ)” ቁፅሪ (1575) ፤ ነሳኢይ: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ንዋኒና ግልጋሎት ትህብ ግመል ዘካ ከምዘይብላ” ቁፅሪ (2449)
(139) ቡኻሪይ: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ዝኾነ ሰብ አብ ባርያኡ ዘካ ከምዘይብሉ” ቁፅሪ (1464) ፤ ሙስሊም: ኪታቡ ዘካ: ባብ “ሙስሊም አብ ባርያኡን አፍራሱን ዘካ ከምዘይብሉ” ቁፅሪ (982)
(140) አሕሊፍናዮ
(141) ቡኻሪይ: ኪታቡ በድኡል ወሕይ (አጀማምራ ወሕይ/ራእይ): ባብ “ናብ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አጀማምራ ወሕይ ከመይ ከምዝነበረ” ቁፅሪ (1) ፤ ሙስሊም ኪታቡል አል‐ኢማራህ: ባብ “ቃል ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ‹ስራሕቲ ኩሎም ብመሰረት ሓሳብ/ዕላማ እዮም›” ቁፅሪ (1907)
(142) አሕሊፍናዮ ኢና
(143) ሓሊፉ
(144) ቡኻሪይ: ኪታቡል ዒልም (ፍልጠት): ባብ “ኮፍ ኢሉ ንዘሎ ፈላጥ ጠጠው ኢሉ ምሕታት” ቁፅሪ (123) ፤ ሙስሊም: ኪታቡል ጅሀድ: ባብ “ቃል አላህ ልዑል ንክትኸውን ዝተቃለሰ እዩ ብመንገዲ አላህ ዝበሀለሉ” ቁፅሪ (1904)
(145) አሕሊፍናዮ
(146) አሕሊፍናዮ
(147) ቡኻሪይ: ኪታቡል ኢማን: ባብ “ዱዓኦምን ኢማንኩምን” ቁፅሪ (8) ፤ ሙስሊም ኪታቡል ኢማንን ኪታብ ቡኒይል ኢስላም ዓላ ኸምስን (ኢስላም አብ ሓሙሽተ ተሀኒፁ) ቁፅሪ (16)
(148) አሕሊፍናዮ