ሕቶ(125): ንዘለቀሕካዮ ድኻ ንኽምልሰልካ ከም ቅድመ ኩነት እናገበርካ ዘካ ምሀብ ይፍቀድ ድዮ?
መልሲ:
አይ! አይከአልን። ማለት ድኻ ዝኾነ ሰብ ካባኻ ተለቂሑ ዘካ እዩ ኢልኻ እንተሂብካዮ ፀገም የብሉን ይከአል እዩ። ዋላ እቲ ዕዳኻ ብውልቃዊ ተለዓዓልነቱ እንተመሊሱልካ `ውን ምሀብካ ፀገም እዩ ክበሀል አይኽእልን። ባዕልኻ ከም ቅድመ ኩነት ትገብረሉ እንተኾይንካ ግን አይከአልን። ምኽኒያቱ ከም ቅድመ ኩነት እንተገይርኻሉ እቲ ድልየትካ ንዑኡ ዘጓነፎ ፀገም ምፍዃስ ከይኮነ ገንዘብካ ንምምላስ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ። “ዘካ” ድማ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንባዕሉ ይኹን አብ ኻልኦት ክሕበነሉ አይከአልን።