Back to Top

ሕቶ(121): ገንዘብ “ዘካ” አበይ እዩ ኪዋፈር ዝግባእ?
መልሲ:

ገንዘብ “ዘካ” ኪዋፈረሉ ዝግባእ ብዝምልከት አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ብሩህን እኹል ብዝኾነ መገዲን መብርሂ ሂቡሉ እዩ። ብተወሳኺ በቲ ዝተበሀለ መገዲ ኪዋፈር ምግባር `ውን ግቡእ ምዃኑ ሓቢሩና እዩ። እዚ ኸዓ አብ ፍልጠትን ጥበብን ዝተደረተ እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ግቡእ ምፅዋት [ዝወሀብ] ንድኻታት፣ ንሚስኪናት፣ ስርሖም ብኡ ንዝኾኑ፣ ልቦም [ብእስልምና] ንዝላማመዱ፣ [ባርያ] ናፃ ንዘውፅኡ፣ ንሰባት ዕዳ፣ ብመንገዲ አላህ ንዝፅዕሩን ንገያሺን ጥራይ እዩ።(ተውባ 60) ምስበለ ካብ አላህ ዝኾነ ግቡእ፤ አላህ አዝዩ ፈሊጣን አዝዩ በዓል ጥበብን እዩ።” (ተውባ 60) ኢሉ እዩ ዛዚሙዎ።

እዚኦም እዮም እቶም “ዘካ” ዝወሀቦም ሸሞንተ ዓይነታት ሰባት ፤ ከምዝስዕብ ድማ መብርሂ ንሀቦ:

ድኻታትን መሳኪንን ንውልቃዊ ረብሓታቶም ብዝብል ይወሀቦም።

አብ ሞንጎ ድኻን ሚስኪንን ዘሎ አፈላላይ ፤ “ድኻ” ክንብል ከለና “ሚስኪን” ካብ ንብሎ ብእስ ዝበለ ፀገም ንዘለዎ እዩ። ዝኾነ ሰብ “ድኻ” ንብሎ ዘለዎ ዓመታዊ አታዊ ንፍርቂ ዓመት ንዑኡን ንስድራኡን እኹል ክኸውን ዘይኽእል እንተኾይኑ እዩ። “ሚስኪን” ንብሎ ድማ ካብዚ ዝሓሸ ኮይኑ ዘለዎ ዓመታዊ አታዊ ንፍርቂ ዓመትን ልዕሌኡን ዝአክል ኮይኑ ንዓመት ዘይመልእ እንተኾይኑ እዩ። ነዚኦም ብመሰረት ዘለዎም ጸበባ ይወሀቦም። ግንከ እቲ ዘለዎም ፀገምን ጸበባን ብኸመይ ምልካዕ ይከአል? ዑለማታት ኢስላም እንታይ ኢሎም ንሙሉእ ዓመት ብዝአክሎም ይወሀቦም። እዚ እንተኾይኑ እቲ ዝወሀቦም ሀፋትም ኽገብሮም `ውን ከምዝኽእል እዩ። ነዚ ዝበሉሉ ምኽኒያቶም ድማ ዝኾነ ሰብ “ዘካ” ንኸውፅእ ግቡእ ዝኾኖ ብዓመት ሓደ ግዜ ስለዝኾነ እቶም ደለይቲ ድኻታትን መሳኪንን `ውን ዘድልዮም ዝረኽቡሉ ብዓመት ሓደ ግዜ ንክኸውን `ዩ ብዝብል እዩ። እዚ ጥንኩር ዝኾነ ርኢቶ እዩ። ማለት ድኻታትን መሳኪንን ንዐኦምን ንስድራኦምን ንዓመት ዘድልዮም አቑሑትን ምግቢን ይኹን ወይ ኸዓ ትጉህ እንተኾይኑ ድማ ትግሀቱ ዝጠቕመሉ ስራሕን ኻልኦት ሓገዛትን ዘድልዮ ንኽዕድግ ገንዘብ ይኹን ገለ ይወሀቦ። አብ ስራሕ ትጉህ እንተኾይኑ ንአብነት ምስፋይ፣ ህንፀትን ዝአምሰሉን ዝኽእል እንተኾይኑ በቲ ዝኽእሎ መዳይ ሓገዝ ይግበረሉ። በዚ በለ በቲ እቲ ዓብይ ቁምነገር ንዑኡን ንስድራ ቤቱን ንዓመት ክአኽሎም ብዝኽእል ረድኤት ይግበረሎም።

ሳልሳይ ካብ ገንዘብ “ዘካ” ዝወሀቦ ስርሑ ገንዘብ “ዘካ” ምስ ምእካብን ምምቅቓልን ዝተራኸበ ንዝኾነ እዩ። እዚኦም ማለት አብ ልዑል ሰበ ስልጣን ቅድሚ ምብፃሑ ዘለው ሰባት እዮም። ካብቶም ሃፋትም አከብቲ፣ ነዞም ድኻ መከፋፈልቲ፣ ፀሓፍቲን ዝአምሰሉን ስርሖም ምስ ዘካ ዝተራኸበ ካብ ገንዘብ “ዘካ” ከምዝግበኦም ይወሀቦም። ግንከ ክንደይ ከምዝግበኦም ንርአይ ፤ እዚኦም ሰባት “ዕሱባት” ብዝብል ክንገልፆም ንኽእል። ብዝኾነ መግለፂ ኽግለፅ ዝኽእል ድማ በቲ ኽግለፀሉ ዝኸአለ መግለፂ ይመዓረ። ስለዚ ሃፋትም ይኹኑ ድኻታት ኻልኦት ዕሱባት (ሰራሕተኛታት) ኸምዝግበኦም ክፍሊት ይወሀቦም። ምኽኒያቱ “ዘካ” ዝሕዙሉ ምኽኒያት ንረሀፆም እዩ እምበር ፅጉማት ብምዃኖም ስለዘይኮነ። ዘለዎም መሀያ አብ ስራሕቲ “ዘካ” ምውፋር ዘርክቦ ይኸውን። ካብዚ ብተወሳኺ ንበል እቲ ዕሱብ ሰራሕተኛ ምስምዃኑ ድኻ `ውን እንተነይሩ ሰራሕተኛ (ዕሱብ) ብምዃኑ ከምዝወስድ ድኻ ብምዃኑ `ውን ንዓመት ይአክል ዝተብሀሎ ይወስድ።

እዚኦም ብክልተ መገዲ ንኽወስዱ ይኾኑ። በቲ ሓደ ዑማል (ዕሱባት) ብምዃኖም በቲ ኻሊእ ድማ ድኻ ብምዃኖም ንኽወስዱ ይግበር። ንአብነት: ንዓመት ዝአኽሎም ዓሰርተ ሽሕ እንተነይሩ ድኻ ከም ምዃኖም ዓሰርተ ሽሕ ዝወሀቦም እንነይሩ ፤ ካብ ስርሖም ክወሀቦም ዝነበረ ድማ ክልተ ሽሕ እንተነይሩ ፤ ክልተ ሽሕ ይወሀቡ `ሞ እቲ ንዓመታዊ እኹል ንክኾነሎም ዝተረፈ ሸሞንተ ሽሕ እዩ ዝውሰኸሎም። እዚ ንምባል ድማ እዩ ንዓመት እኹል ዝኾኖም ይወሀቦም ክንብል ከለና ዝተደለየ። ምኽኒያቱ ዑማል (ዕሱባት) ብምዃኖም እንተወሲዶም ንዓመት ካብ ዘድልዮም ንላዕሊ ዝደልዩሉ ምኽኒያት አይህሉን።

ራብዓይ: ልቦም ናብ ኢስላም ድልየት ዘለዎም ድኹም ሰባት ንኽላማመዱ ብዝብል ዝወሀቦም እዮም። ወይ “ካፊር” ኮይኑ ሙስሊም ንክኸውን ወይ ኸዓ ሙስሊም እንተኾነ `ውን ዘለዎ ኢማን ጥንኩር ንክኸውን ብምባል ዝወሀቦ እዩ። ብተወሳኺ ንሙስሊሚን አዝዩ ከይሲ እንተኾይኑ ዘለዎ እከይ ንኽንኪ፣ ንዝአምሰሉን ንዐኦም ብምሀብና ንውልቃዊ ይኹን ብሓፈሻ ሙስሊሚን ዝለዓለ ረብሓ ዘለዎ እንተኸውን ስለዚ ክበሀል ይወሀቦ። ይኹን ደአ`ምበር ንዑኡ ንኽንህቦ ናይ ግድን እቲ ውልቀሰብ ከም ሰባት ዓብይ ፅልዋ ዘሕድር ክኸውን አለዎ ዶ? ወይለ ከም ማሕበረሰብ ፅልዋ ዘየሕድር ውልቀሰብ እንተኾይኑ `ውን ይወሀቦ እዩ? ንአብነት ናብ ኢስላም ዝአተወ አብ ቀረባ እዋን ኮይኑ ዘለዎ ኢማን ድኹም እንተኾይኑ ይምኸለቶ ድዩ?

ብዛዕባ እዚ አብ ሞንጎ ዑለማታት ኢስላም ፍልልይ ሓሳብ አሎ። ከማየ እቲ ዝሓሸ ሓሳብ ብምሀብና ንኢማኑ ብርተዐ ከምዝህቦ ርግፀኛ እንተኾይንና ብዙሕ ፅልዋ ዘየሕድር ውልቀሰብ እንተኾነ `ውን ይወሀቦ።ምኽኒያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ከም ብሓፈሻ «ልቦም [ብእስልምና] ንዝላማመዱ» ዝብል ስለ ዝኾነ። ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ድኻ ስለዝኾነ ንአካላዊ ብርተዐ ብዝብል ዝወሀቦ ካብ ኮነ ንኢማን ብርተዐ ብዝብል ምሀብና ዝበለፀ እዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ንአካላቱ ብርተዐ ቀለብ ካብ እተማልአሉ ኢማኑ ጥንኩር እንተኾነሉ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ስለዝኾነ።

እዚኦም አርባዕተ ሰባት ዝወሀቦም ባዕልቶም ወናኒ ንክኾኑ እዩ። ዋላ ድሕሪ ዓመት “ድኻ” ብዝብል መግለፂ ዘይግለፁ እንተኾኑ `ውን መልሱ ክበሀሉ አይኽእሉን። ምኽኒያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ግቡእ ምፅዋት [ዝወሀብ] ንድኻታት፣ ንሚስኪናት፣ ስርሖም ብኡ ንዝኾኑ፣ ልቦም [ብእስልምና] ንዝላማመዱ፣… ብዝብል ዝገለፆም ወናኒ ምዃኖም ብዝሕብር አገላልፃ ስለዝኾነ። በዚ መሰረት ዝኾነ ሰብ ካብ “ዘካ” ተዋሂቡዎ ዓመት ምስመልአ ሀፍታም እንተኾይኑ ዓሚ ወሲድኻ ኢኻ መልስ አይበሀልን። ንአብነት ዝኾነ ሰብ ንዓመት ብዝብል ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ ተዋሂቡዎ ድሕሪ ዓመቱ ወይ ብውርሲ፣ ወይ ብስራሕ ወዘተ ሀፍታም እንተኾይኑ ዓሚ ዝወሰድካዮ መልስ ክበሀል አይኽእልን። ምኽንያቱ ነቲ ቅርሺ/ናቅፋ ዝወሰደ ወናኒ ኮይኑ ስለዝኾነ።

ሓምሻይ: “ዘካ” ግቡእ ዝኾነሉ እቲ «… ናፃ ንዘውፅኡ…» ዝተብሀለ እዩ። አብ “ናፃ ዘውፅኡ” ንዝተብሀሉ ዑለማታት ኢስላም ሰለስተ ዓይነት ሰባት እዮም ኢሎም። ቀዳማይ: ውስን ገንዘብ እንተምፂኡ ናፃ ከምዝኸውን ምስ ወናኒ ስምምዕ ዘለዎ ባርያ። ኻልአይ: አመሓዳሪ ሙስሊሚን ባዕሉ ኽዕድጎ እየ ኢሉ ናፃ ዘውፅኦ። ሳልሳይ: ካፊራት ዝአሰሩዎ ሙስሊም እሱር። እዚኦም ሰለስተ ካብ ዘካ ገንዘብ ተዋሂቡዎም ናፃ ንክኾኑ ይግበር። እተጨውየ ሙስሊም ናፃ ንምውፃእ `ውን “ዘካ” ምውፃእ አብዚ ይምቀል። እቲ ጨዋይ ሙስሊም ይኹን ካፊር ፤ ነቲ እተጨውየ ሙስሊም ናፃ ንምውፃእ ብዜካ ክፍሊት ገንዘብ ኻሊእ መንገዲ ዘየሎ እንተኾይኑ ካብ ገንዘብ “ዘካ” ወፃኢ ብምግባር ነቲ እተጨውየ ናፃ ይግበር።

ሻድሻይ: ሰባት ዕዳ እዮም። እዚ በዓል ዕዳ ንብሎ ከም አባህላ ዑለማታት ኢስላም ክልተ ዓይነት እዩ። ቀዳማይ: አብ ሞንጎ ሰባት ንምትዕራይ ኢሉ ዕዳ ዝአተወ እንትኸውን ፤ ንአብነት አብ ሞንጎ ክልተ ዓሌታት ወይ ኸዓ አብ ኻሊእ ማሕበራዊ ናብራ ሰባት ፅልኢን አምባጓሮን ተፈጢሩ ናብ ኲናት ክሳብ ዝበፅሕ እቲ ባእሲ ይሕይል ፤ ሽዑ አብ ሞንጎ ሓደ ተደማፅነት ዘለዎ ሰበ ሰናይ ተላዒሉ ንምትዕራይ ብዝገበሮ ፃዕሪ ናብ ዕዳ ንኽአትው ይግደድ። ብሰንኪ ሰናይ ስርሑ ሙስሊሚን ካብ ፅልኢ፣ ካብ ዝኸፍአ ባእሲን ካብ ምፍሳስ ደም ዝሕልወሉ ዓብይ ስራሕ ንምስራሕ ብዝብል ስለዝኾነ እቲ ዕዳ ዝተፃወረ እዚ ምኽፋል ዝኽእል ሃፍታም ይኹን ድኻ ብዘየገድስ ንሰናይ ስርሑ ብዝብል ይወሀቦ እዩ።

እቲ ኻልአይ በዓል ዕዳ ንውልቃዊ ረብሓ ብዝብል ዕዳ ዝአተወ እዩ። ውልቃዊ ግልጋሎት ንምርካብ ወይ ዝደለዮ አቕሓ ንምዕዳግ ኢሉ ዕዳ ዝአተወ ማለት እዩ። እቲ ዘለዎ ዕዳ ንምኽፋል ዘይኽእል ድኻ ምዃኑ ምስተፃረየ ነቲ ዕዳኡ ንኸፍለሉ። ግን ብዛዕባ ኩነታቱ ዘይፍለጥ እንተኾይኑ ከ እንታይ ይግበር? እቲ ዝተበሀለ ገንዘብ ይወሀቦ ዶ? ወይለ ናብቲ አለቃሓይ ናብ ባዕሉ እዩ ክወሀብ? እዚ ከከም መንነት ተለቃሓይ ይፈላለይ እዩ። እቲ ተለቃሓይ ተአማኒን ካብ ዕዳ ንምንጋፍ ባህ ዝብልን እንተኾይኑ ብዘለዎ ተአማኒነት ይወሀቦ። ምኽኒያቱ ነቶም አለቀሕቲ ትኽ ኢልካ ምሀብ ንዑኡ ከም ምቅላልን ዘይምእማንን ብምዃኑ።

እቲ ተለቃሓይ ገንዘብ ምስተወሀቦ ዕዳኡ ክንድምኽፋል አገዳሲ ዘይበሀሉ አቑሑት ብምዕዳግ ነቲ ገንዘቡ ዝርወት ዝገብረሉ ሓሻሽ እንተኾይኑ ግን ናብቲ አለቃሓይ ከይድና ካብኡ ዝተለቀሐ ምዃኑን ክንደይ ከምዝኾነን አፃሪና ንህቦ።

ዕዳ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ዘይገደፈ እንተሞይቱ ዕዳኡ ካብ “ዘካ” ይኽፈለሉ ዶ አይኽፈለሉን? ብዝብል ኢብኑ ዓብዱል በርን አቡ ዑበይዳን ከምዘይኽፈለሉ አብ ሞንጎ ዑለማታት ኢስላም ሓድነት ድምፂ (ኢጅማዕ) ከምዘሎ አብ ኪታባቶም ሓቢሮም እዮም። ይኹን ደአ`ምበር ዋላ`ኳ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎም ዑለማታት ኢስላም `ውን ከምዘለው ዘረድኡ ሓበሬታታት ዘለው ይኹኑ መብዛሕትኦም ዑለማታት ግን አይኽፈለሉን እዮም ዝብሉ። ነዚ ከም መበገሲ ምኽኒያት ዝገበሩዎ ኸዓ ሙውት ዝኾነ ሰብ ናብ አኼራ ስለዝተሳገረ ብህይወት ከምዘሎ በዓል ዕዳ ውርደትን ስምዒት ትሑትነትን የብሉን። ብተወሳኺ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ናይ ሙውት ዕዳ ረቢ ረድኤት እንትገብረሎም ካብ ምርኮ እንተኾይኑ እምበር ካብ “ዘካ” አይኸፍሉን ነይሮም። ስለዚ ናይ ሙውት ገንዘብ ካብ “ዘካ” አይክፈልን። ብተሞኩሮ ድማ ሓደ ሰብ ዕዳኡ ከምዝኸፍል ብዝብል ስምዒት እንተተለቂሑ `ውን አላህ ዓዘ ወጀል ባዕሉ ብረድኤቱን ራህራህነቱን ከምዝኸፍለሉ እዩ። ብዘይኸፍል ሓሳብ እንተተለቂሑ ግን እቲ ልቃሕ `ውን ኸምዘሎ ይፅበዮ ሽዑ አብ ምፅአት መዓልቲ ተሓታቲ ይኸውን። ከማየ እዚ ሓሳብ ንሙውት `ውን ካብ ገንዘብ “ዘካ” ይኽፈለሉ እዩ ካብ ዝብል ዝሓሸ ብሉፅ መርትዖ ከምዘለዎ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ።

ብዛዕባ እቶም ብህይወት ዘለው ሰባት እቲ ገንዘብ “ዘካ” ንዐኦምን ንዘጓነፎም ፀገም፣ ጅሀድን ገለን ዝአምሰሉ ዋኒኖም ዘለዎ አገዳስነት ብአንፃር ተራእዩ እቲ ዝሓሸ መማረፂ ይግበር። እቶም ብህይወት ዘለው ሰባት እቲ ገንዘብ ንዐኦም ዘለዎ አገዳስነት ንሙውት ሰባት ዕዳኦም ምኽፋል ካብ ዘለዎ አገዳስነት ዝለዓለ እንተኾይኑ እቲ ዕዳ ከይተኸፈለ ይተርፍ። እቲ ገንዘብ ነቶም ብህይወት ዘለው ሰባት ዘለዎ አገዳስነት ካብቶም ሙውት በዓል ዕዳ ዝነአሰ እንተኾይኑ ግን እቲ ገንዘብ ነቶም ዕዳ መኽፈሊ ከይገደፉ ዝሞቱ ሰባት ዕዳኦም ንምኽፋል ይውዕል። እዚ ኸዓ ማእኸለዋይ ዝኾነ ርኢቶ እዩ።

ሻውዓይ: «ብመንገዲ አላህ ንዝፅዕሩ» እዮም። ብመሰረት እዚ ዓንቀጽ ቁርአን ብመንገዲ አላህ ዝፅዕሩ ክበሀል ከሎ እቲ ብዋንነት ዝተደለየ ብፍላይ ብመንገዲ አላህ ንዝግበር ልክዕ ዝኾነ ጅሀድ እዩ እምበር ሰናይ ምግባር ኩሉ አይኮነን። ምኽንያቱ ከምኡ ተዝኸውን ነይሩ (إِنَّمَا الصَّدَقَاتُ لِلْفُقَرَاءِ وَالْمَسَاكِينِ) ብዝብል አገላልፃ ከም አገባብ ቋንቋ ዓረብኛ “ዘካ” ናይ ዝወሀቦም ሰባት ወሰን ዝሕብር አየድልይን ነይሩ። “ላ ኢላሀ ኢለሏህ” ትብል ቃል አላህ ልዑል ንክትኸውን ብቅኑዕ መንገዲ አላህ ይቃተሉ ከምዘለው ዝፈለጥናሎም ንዘድልዮም መሳርሒን ስንቅን ገለ ካብ ገንዘብ “ዘካ” ይወሀቦም። ግን እቲ ዝቃተሉሉ መንገዲ ረቢ ብዝበሎ አካይዳን ቃል ረቢ “ላ ኢላሃ ኢለሏህ” ልዑል ንክትኾንን ንኽነፃሪ ግድን እዩ።

ብአላህ መንገዲ ምቅታል ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ፍትሒ ዘለዎን ብሩህን ዝኾነ መግለፂ ሂቦምሉ እዮም። ሓደ እዋን ሱሓበታቱ ሓደ ሰብ ንዓሌቱ ኢሉ፣ እቲ ኻሊእ ተባዕ ንምዃኑ፣ እቲ ሳልሳይ ድማ ዘለዎ ደረጃ ንኽረአየሉ ኢሉ ይቃተል ፤ ካብዚኦም ሰለስተ አየናይ እዩ ብመንገዲ አላህ ዝቃተል? ኢሎም ምስ ሓተቱዎም ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ኸዓ ቃል አላህ ልዑል ንክኸውን ዝተቃተለ እዩ ብአላህ መንገዲ ተቃቲሉ ክበሀል ዝኽእል (144) ብምባል መለሱሎም። ንዓሌቱ ኢሉ ዝተቃተለ ብኩሉ መንገዲ ንቃል ረቢ ተቃቲሉ ክበሀል ዝኽእለሉ አንፈት ስለዘየለ ንአላህ ኢሉ ዝተቃተለ ሰብ ከምዝረኽቦ ዱንያውን ዲናውን ረብሓ አይረኽብን። ተባዕ ንምዃኑ ዝተቃተለ ኸዓ ብኩሉ አንፈት ተባዕ ዘብህሎ ውግእ እንተተረኺቡ ዘይኸደሉን ዘይሐወሰሉን ምኽኒያት ስለዘየለ እቲ ዋኒኑ ቃል አላህ ልዑል ምዃን ዘይምዃኑ ብዘየገድስ ዝቃተል እምበር ቃል ረቢ ልዑል ንክኸውን ዝቃለስ አይኮነን። እቲ ደረጃኡ ንኽፍለጠሉ ዝቃለስ ኸዓ ርአዩለይ ስምዑለይ ዝቃተል ካብ ኮነ ብመንገዲ አላህ እዩ ዝቃተል ክበሀል አይኽእልን። ቃል አላህ ልዑል ንክኸውን ዘይተቃተለ ምዃኑ ዝተረዳእናሉ ኩሉ ካብ “ዘካ” ግቡእ ዝኾነሉ የለን። ምኽንያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ዝበለና «ብመንገዲ አላህ ንዝፅዕሩ» ስለዝኾነ።

ዝኾነ ይኹን ሰብ ብመንገዲ አላህ እዩ ተቃሊሱ ክበሀል ዝኽእል ቃል አላህ ልዑል ንክትኸውን ዝተቃለሰ ጥራሕ እዩ። ዑለማታት ኢስላም ሀይማኖታዊ ፍልጠት ንምእላሽ ዘለዎ ግዜ ኩሉ ዝሀበ ብመንገዲ አላህ ካብ ዝቃለሱ እዩ ፤ ስለዚ ዘድልዮ ዝብላዕ፣ ዝስተ፣ መንበሪ፣ ኽዳውንቲን መፃሕፍቲ ኩሉ ካብ ገንዘብ “ዘካ” ይግበኦ እዩ ኢሎም። ምኽኒያቱ ሀይማኖታዊ ፍልጠት ዓይነት ጅሀድ ስለዝኾነ እዩ። እኳደአስ ኢማም አሕመድ “ኒያኡ ንዘዐረየ ሀይማኖታዊ ፍልጠት ዝአክሎ የለን።” ኢሎም እዮም። ፍልጠት እንተዘይህሉ ሀይማኖቱ የለን ዝበሀለሉ ዋና ዝኾነ መሰረት እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ቁርአን ዘውረደ ሰባት ፍትሒ ንኽገብሩን ካብ ሕግታትን እምነትን ኢስላም ግድን ምስዘብሎም ቃልን ምግባርን ንኽመሀሩን ንኽፈልጡን እዩ። እወ! ብመንገዲ አላህ ዝግበር ጅሀድ ርእሲ ኢስላም ዝኾነ ዝለዓሉ ካብ ዝበሀሉ ምግባራት ወድ ሰብ እቲ አዝዩ ብሉፅ እዩ። ይኹን ደአ`ምበር ከም ኢስላም ፍልጠት ዓብይ አበርክቶ አለዎ። እዚ ኸዓ ዓይነት ጅሀድ (ብአላህ መንገዲ ምቅላስ እዩ) ዝበልናሉ ምኽኒያት ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ፈላጣት ሓደ መፂኡ አነ ንዓይን ንስድራይን ሽሻይ ንምርካብ ኢለ ናብ ስራሕ እንተኸይደ ዒልሚ ክእልሽን ከምህርን አይኽእልን። ዓረሰይ ፍልጠት ንምእላሽን ንከምህርን እንተደልየ ኸዓ እቲ ፍልጠት ይረኽቦ እየ ግን አነን ስድራይን አገዳሲ ኮይኑ ዘድልየና መን ከማልአልና? እንተይሉ ንሕና “ዒልምን ፍልጠትን ንምእላሽ ዓርስኻ አዳሉ ንሕና እቲ ዘድልየካ ካብ ገንዘብ ‹ዘካ› ነማልአልኻ ኢና።” ኢና ንብሎ።

ሻምናይ: “ዘካ” ካብ ዝግበኦም ሰባት እቲ ናይ መወዳእታ ተሪፉና እዚ ኸዓ «…ንገያሺን…» ዝበልናዮ እዩ። ገያሺ ዝተበሀለ ሙሳፊር መንገዲ ዝወፀ ኮይኑ ቀረብ ዘቋረፆ ማለት ካብ ኮነ ዋላ አብ ዓዱ ሃፍታም እንተኾነ `ውን ናብ ዓዱ ከብፅሖ ዝኽእል ቀረብ ይወሀቦ። ምኽኒያቱ ግድን ዘድልዮ ስለዝኾነ ሕዚ ተለቃሕ ዳሕራይ ዓድኻ ምስበፃሕኻ ትኸፍሎ ኢኻ ኢልና ዕዳ ንኽፆር አይነገድዶን። ካብ ባዕሉ ገንዘብ “ዘካ” አይደሊን ልቃሕ ይኹነለይ እንተይሉ ግን መሰሉ እዩ። ንአብነት ካብ መካ ናብ መዲና ገያሺ ዝኾነ ሰብ እቲ ቀረብ እንተተወዲኡዎ ዋላ `ኳ አብ መዲና ሃፍታም እንተኾነ ናብ መዲና ከብፅሖ ዝኽእል ገንዘብ ጥራይ ዘጓነፎ ፀገም መብፅሒ ጥራይ ስለዝኾነ ካብአ ከይወሰኽና ንህቦ።

ገንዘብ “ዘካ” ዝዋፈረሎም እዚኦም እዮም ካብ በልና ካብዚ ወፃኢ ዘለው ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ረብሓታትን ሰናይ ምግባራትን ኩለን ናይ “ዘካ” ገንዘብ አይምልኸቶምን። ስለዚ መሳጅድ ንምስራሕ ይኹን፣ ቤተ መፃሕፍቲ ንምህናፅ ወይ ኸዓ መንገዲ ንምስራሕ ወዘተ ገንዘብ “ዘካ” አየገልግልን። ምኽኒያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “… ካብ አላህ ዝኾነ ግቡእ፤…” ስለዝበለ። ማለት እዚ ሕጊ ዝመፀ ካብ ረቢ እዩ ፤ … አላህ ድማ አዝዩ ፈሊጣን አዝዩ በዓል ጥበብን እዩ።” (ተውባ 60)

እዋናዊ