Back to Top

ሕቶ(120): ከም ቆልዓን ፅሉልን ዝበለ ሓላፍነት ክወስድ ዘይኽእል ሰብ ገንዘቡ “ዘካ” ይወፅአሉ ዶ?
መልሲ:

ብዛዕባ እዚ አብ ሞንጎ ዑለማታት ኢስላም ፍልልይ ሓሳብ አሎ። ገሊኦም ሓላፍነት ንኽወስዱ እኹል ስለዘይኾኑ ካብ ናታቶም ገንዘብ ወሲድካ “ዘካ” ኽወፅእ ግቡኦም ክኸውን አይኽእልን ይብሉ።

ገሊኦም ኸዓ “ዘካ” ነዚኦም `ውን ዝምልከት እዩ ይብሉ ንሱ ድማ እዩ እቲ ሓቂ። ምኽኒያቱ “ዘካ” ማለት እቲ ወናኒ መን ምዃኑ ብዘየገድስ ናይ ገንዘብ ግቡእ ብምዃኑ እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል `ውን ብቁርአኑ “… ንክተፅርዮም ካብ ገንዘቦም ሓዝ… ”(ተውባ 103) ኢሉ እዩ ሓፈሻዊ ትእዛዝ ዝገበረ። ብመሰረት እዚ ዓንቀፅ ቁርአን እቲ ትእዛዝ ዝተገበረ ምስ ገንዘብ ብዝተራኸበ እምበር ምስመንነቱ ዝተራኸበ ሓበሬታ ወላ ሓንቲ የብሉን።

ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ንሙዓዝ ኢብኑ ጀበል ናብ የመን አብ ዝልእኸሉ እዋን አላህ ካብ ሀፋትሞም ገንዘብ ተታሒዛ ናብ ድኻታቶም ትምለስ ዓይነት ምፅዋት ግቡእ ከምዝገበረሎም አፍልጦም…(143) ስለዝበሉ። በዚ መሰረት ሓላፍነት ንኽወስድ እኹል ዘይኮነ ሰብ ካብ ገንዘቡ ተታሒዙ “ዘካ” ንኽወፅአሉ ግቡኡ ምዃኑ ንርዳእ። እቲ “ዘካ” ዘውፅአሉ ድማ ብዛዕባኡ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ይኸውን።

እዋናዊ

ሕሩያት

ብበዝሒ ዝተረአዩ