Back to Top

ሕቶ(119): አብ ንግዲ ምቁፃሩ ዘፀግም እንተኾይኑ “ዘካ” ንምውፃእ ተመን ምግባር ይከአል ዶ?
መልሲ:

ንናይ አቑሑት ንግዲ ብተመን ጌርካ ዘካ ምውፃእ ብሸሪዓና አይከአልን። ምኽኒያቱ ተመን ጌርካ “ዘካ” ብሸሪዓና መርትዖ ዝመፀሉ ንፍረምረ እዩ ፤ ከም ገለ ዑለማታት ኢስላም ድማ አዝርእቲ ከምተወሳኺ ይገብሩዎም። ገንዘብ እንተኾይኑ ግን ምቁፃሩ ስለዘየፀግም ተመን አይከአልን። ተመን አብ ዝተገበረሉ እዋን `ውን ዝኾነ ሰብ ህድአት ዝተመልኦ መማረፂ ምትሓዙ ዝሓሸ እዩ። ንአብነት አብ ሞንጎ ሚእቲን ሚእቲ ዒስራን ዝጠራጠር እንተኾይኑ ከም ሚእቲ ዒስራን ሓሲቡ “ዘካ” ምውፃእ ዝሓሸ ይኸውን።

እዋናዊ