Back to Top
   ፊቅህን ዓንድታቱን        ፍቅሂ        ዒባዳታት (አምልኾታት)        ዘካ        ዘካ ግዲ ዝኾነሉ

ብዕዳ አብ ኻሊእ ሰብ ዘሎ ገንዘብ “ዘካ” ዝወፀሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን


ሕቶ(118): ብዕዳ አብ ሰባት ዘሎ ገንዘብ ብኸመይ እዩ “ዘካ” ዝወፀሉ?
መልሲ:

ብኪራይ ይኹን፣ ብሰራሕተኛ ወይ ብኻሊእ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዕዳ ኮይኑ አብ ኻልኦት ዘሎ ገንዘብ ክልተ ዓይነት እዩ:

ቀዳማይ: እቲ ዕዳ ብእንታይነቶም ጥራይ “ዘካ” ግዴታ ካብ ዘይኾነሎም ከም ስርናይ ዓይነት እንተኾይኑ “ዘካ” የብሉን። ንአብነት ዝኾነ ሰብ ንኻሊእ ሰብ ሚእቲን ልዕሌኡን አንቅዓ ስርናይ የለቅሕ። እዚ ዕዳ “ዘካ” ዝወፅአሉ ዓይነት ዕዳ አይኾነን። ምኽኒያቱ ከምስርናይ ዝአመሰሉ ጥረምረን አዝርእቲን ነገራት “ዘካ” ግቡእ ዝኾነሎም ካብ መሰረታዊ መቦቆሎም ብዘተተሓሓዘ ጥራሕ ስለዝኾነ።

ኻልአይ: እቲ ዕዳ ብእንታይነቶም ጥራይ “ዘካ” ካብ ዝወፀሎም አቑሑት ብዝኾነ እንተኾይኑ እቲ ዘለቀሐ ሰብ “ዘካ” ንኸውፅአሉ ግቡኡ ይኸውን። ምኽኒያቱ አብ ዝደለየሉ እዋን ክረኽቦ ስለዝኽእል እንተደሊዩ ምስ ናቱ ገንዘብ ሓዊሱ ወይ በብዓመቱ ወይለ እቲ ዕዳ ምስመፀሉ ሒሳብ ገይሩ “ዘካ” ምውፃእ ይኽእል። ንአብነት ዝኾነ ሰብ ንኻሊእ ሰብ ሚእቲ ሽሕ አለቂሑ እንተነይሩ ወይ ባዕሉ “ዘካ” የውፅአሉ እንተዘይኾይኑ እቲ ተለቃሓይ ነቲ ገንዘብ “ዘካ” ኸውፅአሉ ግቡኡ ይኸውን። እቲ አለቃሓይ መማረፂ አለዎ። እዚ ዝኾነሉ እቲ ተለቃሓይ ዕዳ ንምኽፋል ዝኽእለሉ ዓቅሚ ዘለዎ እንተኾይኑ እዩ። ዘለዎ ዕዳ ንምኽፋል ዘይኽእል ድኻ እንተኾይኑ ግን እቲ ጥንኩር መርትዖ ዘለዎ ቃል ዑለማታት ኢስላም “ዘካ” ናይ ምኽፋል ግቡእ የብሉን ዝብል እዩ። ምኽኒያቱ እቲ አለቃሓይ `ውን ዕዳይ ሀበኒ ኢሉ ብሸሪዓ ክሓትት ዝኽእለሉ መሰል ስለዘይብሉ እዩ። ምኽንያቱ አላህ `ውን ብቁርአኑ “… (እቲ በዓል ዕዳ) ዘይኽእል ድኻ እንተኾይኑ `ውን ክሳብ ዝረክብ ምፅባይ እዩ።” (አል በቀራ 280) ስለዝበለ ልቃሐይ መልስ ኢሉ ንምሕታት አይኽእልን። ስለዚ እቲ አለቃሓይ እቲ ዘለቀሖ ገንዘብ ኽአዘሉ አይኽእልን። በቲ ገንዘቡ ዘለዎ ሓይሊ ድኹም ብምዃኑ “ዘካ” ናይ ምኽፋል ግቡእ የብሉን። እቲ ገንዘቡ አብ ዝመለሰሉ እዋን ግን ዋላ አብቲ በዓል ዕዳ ንዓሰርተ ዓመታት ይፅናሕ ሓንሳብ ናይታ ዓመት ጥራሕ እዩ “ዘካ” ዘውፅእ። ልክዕ ካብ ምድሪ ዝወፅኡ ፍርያት “ዘካ” ዝወፀሎም ሀንደበት ምስተረኸበ እዩ ከምዝበልናዮ።

ገለ ዑለማታት ኢስላም ሽዑ ሓደ ኢሉ ብምጅምባር ድሕሬኡ ዓመት ቆፂሩ “ዘካ” የውፅእ እምበር እቲ ገንዘብ አብ ዝተረከበሉ እዋን “ዘካ” ናይ ምውፃእ ግቡእ የብሉን ይብሉ። ካብ ጥርጣረ ናፃ ንምዃን እቲ ዝሓሸ ግን ከምዘሕለፍናዮ ሓንሳብ ናይታ ዓመት ጥራሕ ክፍሊት ገይሩ እንተዝቕፅል እዩ። ስኢነዮ ካብ ዝበሎ ገንዘብ 2.5 ሚእታዊ ምሀብ ማለት ዓብይ ዝበሀል ክፍሊት አይኮነን እኳደአስ ንዘርከበልኻ ረብኻ ሹክሪ ካብ ምግባር እዩ።

ብዛዕባ አብ ዕዳ ዘሎ ገንዘብ “ዘካ” እዚ ይመስል። ብሓፈሻ ሰለስተ ዓይነት እዩ።

ቀዳማይ: “ዘካ” ኽወፅአሉ ግቡእ ዘይኮነ ፤ እዚ ብእንታይነቱ “ዘካ” ኽወፅአሉ ግዴታ ዘይኾነሉ እዩ። ንአብነት ብዙሕ ዝኾነ ስርናይ፣ ወይ ሽኮር፣ ወይ ኸምዚ ዝበለ ዓይነት ኩሉ “ዘካ” ንኽወፀሉ ግቡኡ አይኮነን። ምኽንያቱ እዚአን ዝአምሰላ አቑሑት “ዘካ” ንዕዳ ዘካ ዝወፀለን ዓይነታት ስለዘይኮኑ።

ኻልአይ: “ዘካ” ንኽወፀሉ ግቡኡ ዝኾነሉ ዓይነት ዕዳ ፤ ከም ወርቅን ብሩርን ዓይነታት አቑሑት ኮይኑ ዕዳኡ ንኸምልስ ንዘይኸአለ አብ ዝሕዘሉ /አብ ዝተመለሰሉ እዋን ጥራይ ናይ “ዘካ” ክፍሊት ምስገበረ ድሕሬኡ በብዓመቱ እናቆፀረ ክፍሊቱ ይቕፅል። ሽዑ ጀሚሩ ዓመታዊ ክፍሊቱ ይቕፅል ፤ አብ ዝረኸበሉ እዋን ክፍሊት የብሉን ዝብሉ አለው ይኹን ደአ`ምበር እቲ ዝሓሸ አብ ዝረኸበሉ እዋን `ውን ክፍሊቱ እንተገበረ እዩ።

ሳልሳይ: በብዓመቱ “ዘካ” ንኽወፅአሉ ግዴታ ዝኾነሉ ዓይነት ዕዳ ፤ እዚ ብእንታይነቱ ጥራሕ “ዘካ” ዝወፀሉ ዓይነት አቕሓ እንትኾን ዕዳኡ ድማ ንኸምልስ ንዝኽእል እዩ። እዚ በብዓመቱ “ዘካ” ክፍሊት ኽገብረሉ ግቡኡ እዩ። ግን እንተደሊዩ ምስ ናቱ ገንዘብ ሓዊሱ ክፍሊት ኽገብረሉ ይኽእል እንተደሊዩ ኸዓ ናይቲ ተለቃሓይ ገንዘብ ምስተመለሰሉ ሓንሳብ ብሓፈሻ “ዘካ” ኸውፅእ ` ይኽእል።

እዋናዊ