Back to Top

ሕቶ(117): ገለ ሰባት ባይታ መሬት ምስዓደጉ ዋጋ መሬት ከም ዕዳጋ ሕሱር ይኸውን ፤ ክቡር ዝዋጋኡ ብዝኾነ ልከዐ ይገብሩዎ`ሞ ዓዳጊ ይስእኑ። እዚ ኸምዚ ዓይነት ከመይ ኢና ልከዐ ንገብረሉ? ከመይ ከ እዩ “ዘካ” ዝወፅአሉ?
መልሲ:

ሰባት ንግዲ ዝዕድጉዎ ባይታ መሬት መኽሰብ ንምርካብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ዝተዓደገሉ መኽሰብ ምስረኸቡሉ ንምሻጥ ካብ ኮነ ድማ እዚ ባይታ መሬት ካብ ዓይነታት አቕሓ ንግዲ ኮይኑ`ሎ ማለት እዩ። ዑሩዱ ቲጃራ (አቕሓ ንግዲ) “ዘካ” ዝወፅአሉ ድማ ዓመት ምስመልአ ዘለዎ ዋጋ መበገሲ ብምግባር 2.5% እዩ። ምኽኒያቱ እቲ ዓብይ ቁምነገር ዓይኒ ዋና (ዋጋ) ናይቲ አቕሓ እዩ። እቲ ዘለዎ ዋጋ ተመን ዝወፅአሉ ድማ ብወርቅን ብሩርን ወይ ኸዓ ብኻሊእ መለዋወጢ ክኸውን ይኽእል። ናይዚአን ዓይነታት ገንዘብ “ዘካ” ድማ 2.5 ሚእታዊ እዩ። ንአብነት ዝኾነ ሰብ ባይታ መሬት ብሚእቲ ሽሕ ዓዲጉ አብ ዓመቱ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ዋጋ ዘለዎ እንተኾይኑ “ዘካ” ኸውፅእ ዝግበኦ ከም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ገይሩ እዩ። ብተፃራሪ መጀመርታ ኽዕድጎ ከሎ ብሚእቲ ሽሕ ዋጋ ዓዲጉ ድሕሪ ዓመቱ ብዘሎ ዋጋ ተመኑ ናብ ሓምሳ ሽሕ ጥራይ እንተወሪዱ (ክዕደግ ከሎ ካብ ዝነበሮ ዋጋ እንተነኪዩ) ድማ ከም ሓምሳ ሽሕ ጥራይ ብምሕሳብ እዩ “ዘካ” ኸውፅእ ግቡእ ዝኾኖ። ምኽንያቱ እቲ ዓብይ ቁምነገር እቲ “ዘካ” ግቡእ አብ ዝኾነሉ እዋን ዘለዎ ዋጋ ስለዝኾነ።

ዋጋአ ይዛይድ ወይለ ይነኪ ምፍላጥ እንተአቢዩዎ ወይ ጥርጣረ እንተኾይኑዎ ኸዓ በቲ ርግፀኛ ዝኾነሉ ናይ መጀመርታ ዋጋ መሰረት እዩ “ዘካ” ንኸውፅእ ግቡእ ዝኾኖ። ከም አብነት እቲ ብሚእቲ ሽሕ ዝተዓደገ መሬት ዓመቱ ምስበፅሐ እንተወሲኹ ሚእቲን ዒስራን ሽሕ እንተነኪዩ ኸዓ ሰማኒያ ሽሕ እዩ ኢሉ ብክንደይ ኸውፅአሉ ከምዝግባእ ጥርጣረ ይኾኖ። ንሕና ድማ በቲአ ዝዓደግካያ/መጀመርታ ርግፀኛ ብዝኾንካላ ዋጋ ተመን ጌርካ ኢኻ “ዘካ” ተውፅአላ ንብሎ። ምኽኒያቱ እቲ ጥርጣረ አብ ሞንጎ ምንካይን ዝያዳን ካብ ኮነ ከምዘይነከየን ከምዘይወሰኸን ኽሕሰብ ስለዝግበኦ። እዚ ካብ ኮነ ገለ ሰባት ባይታ መሬት ምስዓደጉ ዋጋ ተመን መሬት አዝዩ ይንኪ `ሞ ናታቶም መሬት ደላይ ይስእን። ኸምዚ እንትኸውን ከመይ ገይሩ እዩ ዘካ ዘውፅአሉ? ዝብል ሕቶ ብዙሕ ሰባት አፀጋማይ ይኾኖም። ኸምዚ ዝኾኖ ሰብ ዘለዎ መማረፂ: እቲ ሓደ “ዘካ” ናይዛ መሬት ኸውፅእ ዝኽእለሉ ኻሊእ ገንዘብ እንተነይሩዎ ብዑኡ እቲ ግቡእ ዝኾነ “ዘካ” የውፅእ። እቲ ግቡኡ ኽዋፀአሉ ዝኽእለሉ ኻሊእ ገንዘብ እንተዘይብሉ ሰባት ንክጥቀሙሉ ዘመቹ እንተኾይኑ ካብታ መሬት 2.5% ድኻታታት ንክጥቀሙሉ ይህብ። እዚ እንተዘይኽኢሉ ኸዓ እቲ አብ እዋኑ ኸውፅኦ ዝነበረ ዋጋ ሒሳብ ገይሩ እቲ መሬት ምስሸጠ ካብቲ ዝሸጠሉ ዋጋ ቀኒሱ ግቡእ “ዘካኡ” ይዋፃእ።

ብኸምዚ መገዲ “ዘካ” ምውፃኡ ገንዘብ ንዘይኽእል ድኻ ከምዘለቀሐ ሰብ እቲ ገንዘብ አብ ዝረኸበሉ እዋን እምበር አይሕተትን። እቲ ልክዕ ዝኾነ አካይዳ እቲ ተለቃሓይ ምስኸፍሎ ጥራይ እዩ ነቲ አብ ተላቃሓይ ዝነበረ ገንዘቡ ዘካ ዘውፅአሉ። አብቲ ተለቃሓይ ንብዙሕ እዋን እንተነበረ `ውን እቲ በዓል ዋና አብ ኢዱ ምስአተወ ጥራይ እዩ “ዘካ” ዘውፅአሉ። ብመሰረት እዚ እቲ በዓል መሬት `ውን እቲ ክፍሊት ኽገብረሉ ዝኽእል ሓደ እዋን ጥራይ እዩ ክንብል ንኽእል። ማለት እቲ መሬት አብ ዝሸጠሉ እዋን። እቶም ዝሓለፉ እዋናት አይከአለን እዩ። እቲ ብሉፅን ካብ ጥርጣረ ዘውፅእን ግን ነተን ዝሓለፋ እዋናት `ውን ሒሳብ ገይሩ እንተኸፊሉ እዩ። ምኽኒያቱ አብ ሞንጎ ንፅጉም በዓል ዕዳ ድኻ ዘለቀሐን እዚ በዓል መሬትን ፍልልይ ስለዘለዎም። እቲ ንድኻ ዘለቀሐ አብ ኢዱ ዝሓዞ የብሉን ክፍሊት አይተገበረሉን ፤ እቲ በዓል መሬት ግን ክፍሊት ዋላ ኽገብር አይኽአል እቲ ገንዘቡ ግን አብ ኢዱ እዩ።

እዋናዊ