ሕቶ(114): ብዛዕባ “ዘካ” “ዋጅብ”(ግቡእ) ንክኾን ከም ቅድመ ኩነት ካብ ዝኾኑ ሓደ እቲ በዓል ገንዘብ ጭዋ ክኸውን ከምዝግባእ ዘኪርኩምና፤ ብዛዕባ ባርያ ኾይኑ ገንዘብ እንተትሒዙ `ውን “ዘካ” ናይ ምውፃእ ግቡእ ከምዘይብሉ `ውን ሓቢርኩምና፤ እዚ ክንብል ከለና ግን እቲ ገንዘብ “ዘካ” አይወፀሉን ተሪፉ እዩ ማለት ድዩ? ወይለ እቲ ወናኒ ከም ገንዘቡ ገይሩ “ዘካ” የውፅአሉ እዩ?
መልሲ:
ሓደ ባርያ ዘለዎ ገንዘብ ናቱ ከይኮነ ናይቲ ወናኒ ገንዘብ ከምዝኾነ አሕሊፍና ኢና። ነዚ ድማ “ገንዘብ ዘለዎ ባርያ ዝዓደገ እቲ ሸያጢ ከምቅድመ ኩነት ክሳብ ዘይገበረ እቲ ገንዘብ ናይቲ ዓዳጊ እዩ ዝኸውን።” (131) ዝብል ሓዲሥ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም መወከሲ ጌርና። ብመሰረት እዚ እቲ “ዘካ” ግቡእ ዝኾኖ አብቲ ባርያ ከይኮነ አብ ወናኒ እቲ ባርያ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ገንዘብ `ውን “ዘካ” ከይወፀሉ አይተርፍን ማለት እዩ።