ሕቶ(113): ብዛዕባ “ዘካ” ግቡእ ዝኾነሎም ቅድመ ኩነታት ተንፈልጥ ደስ ምበለና?
መልሲ:
ዝኾነ ይኹን ሰብ “ዘካ” ንኸውፅእ ቅድመ ኩነታቱ እቲ ሰብ ባዕሉ ሙስሊምን ጭዋን ምዃኑ፣ ዘለዎ ገንዘብ ድማ ኒሷብ (“ዘካ” ግቡእ ዝኾነሉ መጠን) ዝበፅሕ፣ ፅኑዕን ንሙሉእ ዓመት (ካብ ኒሷብ) ዘይንኪን ምዃኑ እዩ። ብዜካ ኻልኦት “ዘካ” ምውፃእ ግቡእ ዝኾነሎም ዓይነታት።
ሙስሊም ክንብል ከለና ካፊር “ዘካ” ንኸውፅእ ምእዙዝ ስለዘይኾነ እዩ። “ዘካ” ኢሉ ሓሲቡ እንተውፂኡዋ `ውን ካፊር ካብ ኮነ ረቢ አይቕበለሉን። ምኽኒያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ልግስናታቶም `ኮ ተቐባሊ ዘይረኸበትሉ ምኽኒያት ብአላህን ብልኡኹን ዝኸሓዱ፣ ሶላቶም ህኩያትን ኾይኖም እምበር ዘይሰግዱ፣ ዝፀልኡ ኾይኖም እምበር ዘይልግሱ ምዃኖም ጥራይ እዩ ዓቂቡዎም።”(ተውባ 54)
ካፊር “ዘካ” ንኸውፅእ ግቡኡ አይኮነን ክንብል ከለና ግን ብአኼራ መቕፃዕቲ የብሉን ማለት አይኮነን። እኳደአስ “ዘካ” (ረቢ ብዘይቅበሎ መገዲ /ካፊር ምስ ምዃኑ ሂቡ እንተነይሩ `ውን “ተርጓም”) አይሀብካን ተባሂሉ ግቡእ መቕፃዕቱ ይፅበዮ። ምኽኒያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “ዝኾነት ነፍሲ ብግብራ እያ እትተሓዝ {38} ብዜካ እቶም ንጹሀት አመንቲ ሰባት የማን {39} (እዚኦም) አብ ውሽጢ ጀነት ኮይኖም ነንሕድሕዶም ይተሓታተቱ {40} ብዛዕባ ወንጀለኛታት {41} ‘’ሰቐር’ ናብ ዝተብሀለ ጀሀነም እንታይ አእተወኩም?’ (ኢሎም ነዞም ወንጀለኛታት ይሓትዎም){42} ካብቶም ንአላህ ዝሰግዱ አይነበርናን {43} ንምስኪን `ውን ንዕንግል አይነበርናን {44} ምስቶም (አንፃር ነብይ) ሓሶት ዘላኽዑ `ውን ነላኽዕ ኔርና {45} ብመዓልቲ ምጽአተ ዓለም ንኽሕድ ኔርና {46} (ከምዚ ብሓቂ) ሞት ክሳብ ዝመፅኧና {47}” (ሙደሢር 38-47) ብመሰረት እዚ ዓንቀጽ ቁርአን ካፊራት ካብ ኢስላም ብዘጓደሉዎም ግቡአት `ውን መቕፃዕቲ ከምዘለዎም ይሕብረና።
ጭዋ ክንብል ከለና ኸዓ ምኽኒያቱ ባርያ ናይ ዓርሱ ዝበሀል ገንዘብ ስለዘይብሉ እዩ። ገንዘብ እንተረኺቡ `ውን ናቱ ገንዘብ ኩሉ ናይ በዓል ዋኒኑ ስለዝኾነ። ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም `ውን ብሓዲሦም “ገንዘብ ዘለዎ ባርያ ዝዓደገ እቲ ሸያጢ ከምቅድመ ኩነት ክሳብ ዘይገበረ እቲ ገንዘብ ናይቲ ዓዳጊ እዩ ዝኸውን።”(130) ስለዝበሉ። ስለዚ እቲ ባርያ ገንዘብ ይርከብ አይርከብ ከምዘለዎ ኾይኑ “ዘካ” ግቡኡ እዩ ክበሀል አይኽእልን። ዋላ`ኳ ንበልሞ ገንዘብ እንተረኺቡ/እንተትሒዙ አብ መወዳእታ እቲ ገንዘብ ናብ ወናኒኡ ምምላሱ አይተርፍን። ምኽኒያቱ እቲ ወናኒ ባርያ አብ ኢድ ባርያኡ ዘሎ ኩሉ ናቱ ስለዝኾነ እዩ። ብመሰረት እዚ ባርያ ገንዘብ እንተትሒዙ `ውን እቲ ገንዘቡ ፅኑዕ እዩ ክበሀል አይኽእልን።
“ኒሷብ” ኽመልእ ግቡእ እዩ ዝበልናዮ ኸዓ መጠን እቲ ገንዘብ ሸሪዓ ብዝገበሮ ደረት “ዘካ” ግቡእ ንክኾኖ ዝገብር እንተኾይኑ እዩ መማረፂ ብዘይብሉ “ዋጅብ” ክኾኖ ዝኽእል። እዚ ኸዓ ብመሰረት ዓይነት ገንዘብ ይፈላለይ እዩ። መጠን ገንዘብ “ኒሷብ” ዝመልእ እንተዘይኾይኑ “ዘካ” “ዋጅብ” እዩ ክበሀል አይኽእልን። ምኽኒያቱ ዘለዎ ገንዘብ ንኻልኦት ንኽተርፍ እኹል ምዃኑ ርግፀኛ ክንከውን አይንኽእልን። መጠን “ኒሷብ” ድማ ከከም ዓይነት ገንዘብ ይፈላለይ እዩ። ንእንሰሳት “ኒሷብ” ክበሀል ዝኽእለሉ ካብ መበገሲኡ ክሳብ ልዑል ደረጃኡ ዓርሱ ዝኸአለ ደረት አለዎ፤ ካብዚ ወፃኢ ዝኾኑ ዓይነታት ገንዘብ “ኒሷብ” ዝኾነሉ ካብ መበገሲኡ ጀሚሩ ልክዕ አለዎ።
ንሙሉእ ዓመት ከይነከየ ኽፀንሕ ዝኽእል ዝበልናሉ ድማ ምኽኒያቱ ዓመት ቅድሚ ምምላኡ ግቡእ ዝግበር ተዝኸውን ነይሩ ነዞም ሀፋትም ናብ ፀገም ከቃልዖም ስለዝኽእል እዩ። እቲ “ዘካ” ንኽወሀብ ደረት ግዜ ዓመት ዝተገበረሉ ድማ ምኽኒያቱ ካብ ዓመት ንኽሓልፍ ተዝግበር ነይሩ ድኻ ዝኾኑ ሰባት ጸበባ ስለዝኾኖም እዩ። ስለዚ ኸዓ ኢስላም (ነቲ ድኻ አብ ሰባት ከይተመርኮሰ ዘለዎ ጸበባ ንኽንኪ እቲ ሀፍታም `ውን ከይተጎድአ) ንኽተሓጋገዙ ዓመት ምሙላእ ከም ወሰን ገይሩሎም። ዓመት ምሙላእ ከም ወሰን ብምዃኑ ሀፋትምን “ዘካ” ዝወሀቡ ሰባትን ዘለዎም መሰል ምርአይ ንኽእል። ብመሰረት እዚ ሓደ ሰብ “ዘካ” ግቡእ ዝኾነሉ “ኒሷብ” ዝመልእ ገንዘብ ረኺቡ ዓመት ቅድሚ ምምላኡ እንተሞይቱ ወይ ኸዓ ገንዘቡ እንተጠፊኡዎ “ዘካ” ኸውፅእ ግቡኡ እዩ አይበሀልን። ነዚኦም ሰለስተ ዓይነታት ግን ዓመት ምሙላእ ግድን አይኮነሎምን፤ መኽሰብ ነጋዳይ፣ ሳኢማ (ንምሻጥን ምልዋጥን ከይኮነ ንብልዒ ዝፋረዩ እንሰሳታት)ን ካብ ምድሪ ወፃኢ ዝኾኑ ዓይነታት ገንዘብን ከም አብነት መወከሲ ምግባር ይከአል።
መኽሰብ ነጋዳይ ክንብል ከለና ምኽኒያቱ ዓመት ምምላኡ ብመሰረቱ ዝተተሓሓዘ፤ “ሳኢማ” ዝበልናዮ ኸዓ ምስ አዴአ በምቁፃር ዓመት መሊኡ አይመልአን ንብል እንትኸውን ፤ ሙዓሸራት (ካብ ምድሪ ወፃኢ ዝኾኑ ዓይነታት ገንዘብ) ዝበልናዮ ኸዓ እቲ ፍርያት ዝተረኸበሉ እዋን ናይ ዘካ እዋኑ ስለዝኾነ እዩ። ንአብነት ከም መኽሰብ ነጋዳይ ክንሪኦ ከለና ሓደ ሰብ አቕሓ ብዓሰርተ ሽሕ ይዕድግ ድሕሪኡ ዓመት ክኾኖ ሓደ ወርሒ ምሰተረፈ ዘለዋ ዋጋ ብፍርቂ ይዛይድ፤ ሽዑ “ዘካ” ናይቲ ዓይኒ ዋናን ናይታ ዘትረፈላን ገይሩ እዩ ዘውፅአላ። ምኽኒያቱ ጨንፈር ናይቲ ዓይኒ ዋና ስለዝኾነት ጨንፈር ኸዓ ነቲ መሰረት ስዒቡ ስለዝኾነ ፍርዲ ዝወሀቦ።
ፍርያት ክንብል ከለና ኸዓ ንአብነት ሓደ ሰብ ካብ እንሰሳታት “ኒሷብ” ዝመልኧ ገንዘብ ይህልዎ። ድሕሪ ዓመት ክሳብ ዝኾኖ ብዕጽፊ ወሲኹ ናይቲ ኒሷብ ክልተ ኢድ ይኾን ፤ ሽዑ “ዘካ” እንተውፅእ ዋላ`ኳ ዓመት አይምለኦ ነቲ ዝተወሰኸሉ “ኒሷብ” `ውን ሓዊሱ “ዘካ” የውፅአሉ። ምኽኒያቱ ፍርያት ብመሰረት መፍረይቲ ፍርዲ ስለዝወሀቦ።
ሙዕሺራት (ከም ፍረምረን አዝርእትን ዝአምሰሉ ካብ ምድሪ ዝርከቡ) ድማ ዋላ ዓመት `ውን አይምለአሉ “ዘካ” ዝወፅአሉ ግዜ እቲ ፍርያት አብ ዝተረኸበሉ እዋን እዩ። ንአብነት ተምሪ ክሳብ ዝፈሪ ዓመት ዘየድልዮ ይኸውን፤ ሽዑ “ዘካ” ዝወፅአሉ እቲ ተምሪ ምስፈረየ ይኸውን። አዝርእቲ `ውን ከምኡ ንምፍራይን ንምዕፃድን ዓመት አየድልዮምን ፤ ሽዑ እተን ፍርያት ምስበፅሓ “ዘካ” ምውፃእ ግቡእ ይኾን። ምኽኒያቱ አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ “አብ እዋን ዓፂድ ግቡእ “ዘካ” ሀቡ።”(አል‐አንዓም 141) ስለዝበለ።
እዚአን ሰለስቲአን ካብቲ “ዘካ” ግቡእ ንክኾን ዓመት ምምላእ ቅድመ ኩነት ይኾኖ ዝበልናዮ ፍሉይ ኮይነን ይወፃ።