Back to Top

ሕቶ(105): ሶላት ከዕንው ዝኽእሉ ነገራት ወላ ብሓፈሻ እንተኾነ እንታይ እንታይ እዮም?
መልሲ:

ሶላት ዘዕንው ነገራት አብ ክልተ ነገራት የጠንጥኑ: ወይ ግቡእ ዝኾነ ነገር ብምግዳፍ ወይ ኸዓ አብኣ ምግባሩ ሓራም ዝኾነ ነገር ምግባር።

ግቡእ ዝኾነ ነገር ምግዳፍ ክንብል ከለና ንአብነት ካብ ዓንድታት ወይ ካብ ቅድመ ኩነታት ወይኸዓ ካብ ግቡአት ሶላት ሓደ እናተፈለጦ እንተገዲፉ።

ዓንዲ ምግዳፍ ንአብነት ሩኩዕ እናፈለጠ እንተገዲፉ

ቅድመ ኩነት ምግዳፍ ንአብነት እናፈለጠ ካብ ቂብላ አንፈቱ እንተቀይሩ

ግብእ ምግዳፍ ንአብነት ቀዳማይ (ልዕሊ ክልተ ረከዓ ካብ ዘለዎም ሶላታት እቲ ድሕሪ ኽልተ ረከዓ ዘሎ) ተሸሁድ እናፈለጥካ ምግዳፍ፣ ካብ ግቡአት ሶላት እቲ ሓደ እናፈለጠ እንተገዲፉዎ ሶላቱ የዕንወሉ። እቲ ግቡእ ዓንዲ ይበሀል፣ ቅድመ ኩነት ይበሀል፣ ወይ ግቡእ (ግዴታ) ይበሀል እናፈለጠ እንተገዲፉዎ ሶላቱ የዕንወሉ።

እቲ ኻልአይ ናይ ሶላት ምዕናው ሶላት ዘጠንጥነሉ አብ ውሽጣ ንምግባር ሐራም ዝኾነ ነገር ምግባር። ውዱእ ምፍራስ ወይ ወግዒ ክዕልል ወይ ኸዓ ክስሕቅን ዝአምሰሉ አብ ውሽጢ ሓራም ዝኾኑ ነገራት እናፈለጠ እንተገይሩ ነቲ ሶላቱ የዕንዎ።

እዋናዊ