ሕቶ(92): ትንታነ ተግበርኹምላ፤ ብተየሙም ዝኾነ ሰብ ውዱእ ንዘገበረ ኢማም ኮይኑ ከስግዶ ይኽእል ዶ?
መልሲ:
እወ! ተየሙም ዝገበረ ውዱእ ንዝገበረ ኢማም (መራሒ) ኾይኑ ከስግድ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ክልቲኦም `ውን እኹል ዝኾነ ጡሀራ ስለዘለዎም።
ኻልአይ: ካብ ነጃሳ ምፅራይ:
እቲ ኻልአይ ቅድም ኩነት: ካብ ነጃሳ ምፅራይ እንትኾን ሰለስተ ቦታታት አለውዎ። ነብስና፣ ኽዳንን ንሰግደሉ ቦታን እዮም። እዚአን ኽፀርያ ግድን እዩ። ነዚ ዘለና መርትዖ ድማ ብዛዕባ ነብስና “ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ሞንጎ ቀብሪ አብ ዝሓልፉሉ እዋን ብዛዕባ ክለተ ቀብርታ ከምዚ በሉ ‹እዚኦም ክልተ እናተሳቀዩ እዮም ዘለው፤ ዝሳቀይዎ ድማ ዓብይ ጥፍአት ገይሮም አይኮነን: እቲ ሓደ ሽንቲ አብ ዝሸነሉ እዋን ዓርሱ ስለዘይሕሉ እዩ›።” (90)
ብተወሳኺ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሓንቲ ጓል አብ እዋን ወርሓዊ ፅግያአ ኾይና ኽዳና ደም እንተለኺኡዎ ሓፂባ ንክትሰግደሉ አዚዞም (91) እዮም። እዚ ኸዓ ክዳውንትና ካብ ነጃሳ ኽፀርዩ ግድን ከምዝኾነ የረድአና። ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም እኽሊ ዘይጠዓመ ህፃን ቆልዓ አብ ውሽጢ ገዝኦም ንኽፃወት ኮፍ አቢሎሞ ሸይኑ፤ ምስሸነሎም ማይ ንኽመፅ ጌሮም ዘፍሰሱሉ (92) እውን ኻሊእ መርትዖ እዩ።
እቲ ቦታ ፅርየት ነክህልዎ ግድን ምዃኑ መበገሲና ድማ ካብ አነስ ቢን ማሊክ ብዝተመሓላለፈ ሓዲሥ “ነቲ አብ ውሽጢ ክልል ናይቲ መስጅድ ዝሸነ. አዕራቢ (ገጠር)ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ዝሸነሉ ቦታ ማይ ንክድፋእ እዮም አዚዞም።” (93)
ስለዚ ሓደ ሰብ አብ ዝሰግደሉ እዋን አብ ኽዳኑ፣ ነብሱን አብቲ ዝሰግደሉ ቦታን ነጃሳ ከምዘየለ አረጋጊፁ ክኾን ይግባእ። ንአብነተ ሓደሰብ ነብሱ፣ ወይከዓ ኽዳኑ ወይ እቲ ዝሰግደሉ ቦታ ነጃሳ ምኽኑ ዘይፈለጠ እንተፈሊጡ `ውን ረሲዕዎ ምስሰገደ እንተዘኪሩ ነቲ ሶላት ኻልአይ ክሰግዶ ግዴታ የብሉን፤ እቲ ሶላቱ ልክዕ እዩ። ነዚ መበገሲና ኸዓ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም አብ ዘስግደሉ ሓደ እዋን ጫማኡ አውፂኡ ደብረየ፤ እቶም ሱሓበታት `ውን ምስኡ ጫማኦም አውፂኦም ደብረዩ፤ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ምስወደኡ ንምንታይ ጫማኦም ከምዘውፅኡ ሓተቶም እቶም ብፆቱ ኸዓ “ክተውፅእ ምስረአይናካ ኢና ንሕና `ውን ዘውፃእና” በምባል መለሱ ሽዑ ነቢና ጫማኦም ዘውፅኡሉ ምኽንያት “ጅብሪል መፂኡ ረሳሕ ከምዝረኸባ ፀውዩኒ እየ አውፂአያ” (94) ብምባል አረደኡዎም።
ስለዚ ዘይፈለጥካዮ ወይከዓ ዝረሲዕኻዮ ነጃሳ ነይሩካ ዝሰገድካዮ ሶላት ዝጠፍእ ተዝኸውን ነይሩ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሶላቶም የቋርፁ ነይሮም። ውዱእ ዘይብሉ ኮይኑ ሓደ ሰብ እናሰገደ ከሎ እንተዘኪሩ አቋሪፁ ውዱእ ንክገብር ክኸድ ከምዝግበኦ ማለት እዩ። ስለዚ ነብስና፣ ኽዳውንቲናን ንሰግደሉ ቦታን ካብ ነጃሳ ክርሕቅ ይግባእ። ግን ረሲዑ ወይ ከዓ ዘይፈለጠ እንተሰጊዱ እብ እዋን ሶላት ይዘክር ድሕሪ ሶላት እቲ ሶላቱ አይተበላሽወሉን።
በዚን ረሲዑ ወይኸዓ ዘይፈለጠ ብዘይ ውዱእ ብዘስገደን ዘሎ አፈላላይ እንታይ እዩ? ረሲዑ ወይ ዘይፈለጠ ብዘይውዱእ ዝሰገደ ሶላቱ ንኽደግማ ተአዚዝና፤ ረሲዑ ወይ ዘይፈለጠ ምስነጃሳ ዝሰገደ ግን ኻልአይ ነኸሰግድ አይተአዘዘን? እንታይ እዩ አፈላላዩ? ዝብል ይህሉ።
ንሕና ድማ ንብል: ውዱእ ወይከዓ ምሕፃብ ነብሲ ዓይነት ምግባር እዩ፤ ካብ ነጃሳ ምፅራይ ኸዓ ዓይነት (ካብ ዘይድሊ) ምርሓቅ እዩ። ዝተአዘዘ ንዘይምግባር ድማ ዘይምፍላጥን ርሰዐን እኹል ምኽንያታት አይኾናን። (ዘይድለ) ምርሓቅ ካብዚ ብተፃራሪ እዩ።
ካብ ቅድመ ኩነታት ሶላት እቲ ኻሊእ አንፈትኻ ናብ ቂብላ ምግባር እዩ። አላህ ብቁርአኑ “ናይ ገፅካ ናብ ሰማይ ምግምጣል ንርእይ ኢና ዘለና። ናብ ትፈትዋ አንፈት ድማ ቂብላኻ ንገብረልኻ ኢና። ስለዚ ገፅካ ናብቲ ኩቡር መስጅድ ግበር። ብዝኾነ ይኹን አንፈት ኩኑ ገፅኩም ናብኡ አንፈት ይዙር።” (በቀራ 144) አብ እዋን ሶላት አንፈትኻ ናብ ቂብላ (ካዕባ) ምዟር እቲ ሶላት ሓቀኛ ንክኾን ሓደ ቅድመኩነት እዩ። ካብ ቂብላ ወፃኢ ናብ ዘሎ አንፈት ዝሰገደ እታ ዝሰገዳ ሶላቱ ቅኑዕ አይኮነትን እያ። ነዚ ንዝገበረ ኸዓ ካብዘን አርባዕተ ወፃኢ ሓላፍነቱ ዝዋፃአሉ ኩነት የልን:
ቀዳማይ ኩነት: እቲ ካብ ቂብላ ወፃኢ ዝዘረ ሰብ ናብ ቂብላ አንፈት ክዞር ዘይከአሎ ሕሙም እንተኾይኑ ብአየናይ አንፈት ይኹን ሶላቱ ልክዕ እያ። አላህ ብቁርአኑ “ክንድ ዝኸአልኩሞ ረቢ ፍርሑ” (ተቓቡን 16) ስለዝበለ። ብዓርሱ ይኹን ብኻልኦት ሓገዝ ክዞር ንዘይከአሎ ሰብ ናብ ዝኸአሎ ኮይኑ ይሰግድ።
ኻልአይ ኩነት: ብስግአት አብ ዝተመልአ ወይኸዓ ካብ ፀላኢ እናምለጠ ዝርከብ ኮይኑ አንፈቱ ካብ ቂብላ ወፃኢ ገይሩ እንተነይሩ፤ አላህ ብቁርአኑ “እንተፈሪሕኩም አጋር [እግረኛታት] ወይኸዓ እተወጥሑ [ጋለብቲ] ዄንኩም ስገዱ” (በቀራ 239) ከምዝፍለጥ ብስግአት ዝተመልአ `ውን አንፈቱ ናብ ቂብላ ወይለ ካብ ቂብላ ወፃኢ ናብ ዘሎ ክኸውን ይኽእል አጋር ኮይኑን እተወጠሐ ኮይኑን ንኽሰግድ ተፈቂዱሉ ማለት ብሰንኪ ስግአት ካብ ቂብላ ወፃኢ ንምዃኑ `ውን ዝተፈቀደ ኮይኑሉ ማለት ይኸውን።
ሳልሳይ ኩነት: ሙሳፊር (ገያሺ) ኮይኑ ሱና (ካብ ግዴታ ሶላት ተወሳኺ ዝኾነ) ሶላት ንኽሰግድ እንተደልዩ ናበየናይ አንፈት ይኹን ዝዘረ ምስጋድ ይኽእል። ምኽንያቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ገያሺ አብ ዝኾነሉ እዋን ናበየናይ አንፈት ይዙር ሱና (ተወሳኺ) ሶላት ይሰግድ ኔሩ። እተን ሓሙሽተ ግቡእ ሶላታት ግን ገያሽ ይኹን አይኹን አንፈት ናብ ቂብላ ዘይሩ እምበር አይስገድን።
ራብዓይ ኩነት: እቲ አንፈት ቂብላ ርግፀኛ እንተዘይኾይኑ፤ አንፈት ቂብላ በበይ ከምዝኾነ እንተዘይፈሊጡ ክንድዝኸአሎ ነቲ ቂብላ ንምርካበረ ይፍትንሞ ቂብላ ንምዃኑ አብ ግምቱ ብዝአተወሉ አንፈት ይሰግድ። ምስ ሰገደ እቲ ቂብላ ተጋግዩ ከምዝነበረ እንተፈሊጡ `ውን ነቲ ሶላት ኻልአይ ክሰግድ ግድን አይኾነሉን።
አብ ኸምዚ ዓይነት ኩነት በዚ በቲ ዝበሀለሉ ነገር የለን፤ ምስ ቂብላ ዋላ `ውን አይግጠም ግምቱ ናብ ዝመዘመነሉ እዩ ዝሰግድ። ምኽንያቱ ናይ ኽእለቱ መወዳእታ እዚ ስለዘኾነ አላህ ድማ “ሓንቲ ነፍሲ ካብ ዓቅማ ንላዕሊ ብዝኾነ አየገድዳን” በቀራ 286 ብተወሳኺ “ክንድዝኸአልኩሞ ንአሏህ ፍርሑዎ” (ተቓቡን 16)