ሕቶ(15): ነዛ ሕሉፍ ሕቶ ንክንሓትት ምኽንያት ዝኾነና ሓደ ሓደ ሰባት ናብ ዒባዳ ክንፅውዖም ከለና “ረቢ ጎይታ ልቢ እዩ፤ ልብና ፅፉፍ ካብ ኮነ” እናበሉ ስለንሰምዖም እዩሞ በዚአ መብርሂ ተሀብኹምና?
መልሲ:
ኸምዚ ንዝብሉ ሰባት ንብሎም ረቢ ጎይታ ልቢን ዓፍን እምበር ረቢ ጎይታ ልቢ ጥራይ አይኮነን። ብተወሳኺ ልቢ ተዝዕሪ ነይሩ ኻልኦት አካላት `ውን ይዕርዩ ነይሮም። ምኽንያቱ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም “አብ ውሽጢ ነብስና ሓንቲ ንኡስ ስጋ ትርከብ፤ ንሳ እነተዓሪያ እቶም ዝተረፉ ኻልኦት አካላት `ውን ዝዕረዩ፤ ንሳ እንተሓሚቃ ድማ እቶም ዝተረፉ ኻልኦት አካላት `ውን ዝሓምቁ፤ ንሳ ድማ ልቢ እያ።”(5) ኢሎም። እዚ ሓዲሥ ሓደ ሓደ ሰባት ክትምዕዶም ከለኻ “ፍርሒ አላህ አብዚአ (አብ ልቢ) እያ”(6) እናበሉ ንዝሕበኡላ ኩሉ ማዕፆ ትዓፅወሎም። እዚአ አበሃህላ ዋላ `ኳ ሓቂ ፍርሒ ረቢ ቦታአ አብ ልቢ ትኹን እታ ዝደለዩላ ግን ጌጋ እያ። ሓደ ሓደ ዘረባ ከም ባዕሉ ሓቂ ኮይኑ ሓደ ሓደ ሰባት ምስ ድልየቶም ንክጠዓመሎም ብዘይ ግቡእ ክገብርዎ ትርኢ: ንአብነት: “እዞም ብረቢ ሸሪካ ዝገብሩ ‹ድልየት አላህ ተዝኾን ኔሩ ንሕናን ወለድናን ሸሪካ አይምገበርና፤ ወላ ሓንቲ ሓራም `ውን አይምገበርናን ኔርና› ይብሉ።” (አል‐አንዓም 148) አብዚ ቁርአን ከምንርደኦ “ድልየት አላህ ተዝኸውን ኔሩ ሸሪካ አይምገበርናን ኔርና” እቲ ዘረባ ሓቂ እዩ (ረቢ ብዘይ ናቱ ፍቃድ ዓመፅ እኳ አይትኽእልን)። እታ በዚአ ዝተደለየት ግን ጌጋ እያ። እታ ዝደለዩዋ ንሕና ዘለናሉ መቅፃዕቲ ዘይብሉ ሰናይ ምግባርን ረቢ ዝፈትዎን እዩ ንምባል እዮም ደልዮም። ስለዚ ድማ እዩ አላህ `ውን ብቁርአኑ “ቅድሜኦም ዝነበሩ `ውን መቅፃዕትና ክሳብ ዝጥዕሙዋ ብኸምዚ እዮም ጠሊሞም።”(አል‐አንዓም 148) ኢሉ ዝመለሰሎም። ሸሪካ ካብ ምግባር ተጣዒሶም ዘይምለሱ ምስኮኑ እታ ዘምፀኡዋ ብቀደር ምኽንያት ምግባሮም ኽትጠቕሞምን ካብ ነቀፌታ ክተድሕኖምን አይከአለትን። እቲ “ድልየት አላህ ተዝኸውን ኔሩ ሸሪካ አይምገበርናን” ዝብል ግን ወድዓዊ ሓቂ እዩ ኔሩ። አላህ ብቁርአኑ “ካብ አላህ ናባኻ ንዝመፀ ስዓብ፤ ብዜካ ንሱ አምላኽ የለን፤ ነቶም ሸሪካ ዝገብሩ ድማ ግደፎም። {106} ድልየት አላህ ተዝኸውን ኔሩ ሸሪካ አይምገበሩን ኔሮም።…” (አንዓም 106‐107) ዝበለ ይኹን እምበር አብ ሞንጎ ክልቲአን ኩነታት ፍልልይ አሎ። አላህ “ድልየት አላህ ተዝኸውን ኔሩ ሸሪካ አይምገበሩን” ዝበለ እቲ ዝገበሩዎ ሽርኪ ድልየት ናቱ ተዘይህልዎ ኔሩ ማለት ብዘይ ናቱ ፍቃድ ክገብሩ ዓቅሚ ከምዘይብሎም ብምሕባር ንነብይና ከተባብዖም ስለዝደለየ እዩ። ንሶም ዝብሉዎ ድማ ስለዝፈትዎ እዩ ዝገበርናዮ።
በዚ በለ በቲ እቲ ክትምዕዶ ከለኻ “ፍርሒ ረቢ አብዚአ (አብ ልቢ) እዩ” እናበለ ዝሕባእ እታ ዝበላ ሓቂ እያ ንሱ ዝደለየላ ትርጉም ኸዓ ጌጋ ምዃና ፍሉይ ጌርና ነረድኦ። ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም “ፍርሒ ረቢ አብዚአ እዩ።” ዝበለ እዩ “አብ ውሽጢ ነብስና ሓንቲ ንኡስ ስጋ ትርከብ፤ ንሳ እነተዓሪያ እቶም ዝተረፉ ኻልኦት አካላት `ውን ዝዕረዩ፤ ንሳ እንተሓሚቃ ድማ እቶም ዝተረፉ ኻልኦት አካላት `ውን ዝሓምቁ፤ ንሳ ድማ ልቢ እያ።” `ውን ዝበለ። አብታ ልቢ ተቅዋ (ፍርሒ ረቢ) ተዘረህልዎ ላዕላይ አካሉ `ውን ምፈርሐ ኔሩ። ናይ ላዕላይ አካል ምግባር ሓባሪ ንናይ ውሽጢ መንነት እዩ።