ሕቶ(68): እንታይነት ውዱእ አብራህርሁልና?
መልሲ:
እቲ ሓደ ግዴታ ዝኾነን ብጀካ ንሱ ውዱእ ዘይርከበሉ ዓይነት እዩ። አላህ ብቁርአን “ኦ አንቱም አመንቲ! ናብ ሶላት እንተቆይምኩም ገፅኩም፣ አእዳውኩም ክሳብ ኩርናዕ፣ ርእስኹም ብምሕባስ አእጋርኹም ክሳብ ምናት ሕፀቡ…” (ማኢዳ 6) እዚ ማለት ገፅካ ምስ ምግሙፅሟፅን አብ አፍንጫኻ ብምእታውን ሓደ ጊዜ፣ አእዳውኻ ካብ ጫፍ አፃብዕቲ ክሳብ ኩርናዕ ሓደ ጊዜ፣ ርእስኻ ምስ እዝኒ ምሕባስ ሓደ ጊዜ፣ አእጋርኻ ድማ ሓደ ጊዜ፣ ጌርካ ምሕፃብ እቲ ዋጅብ (ግቡእ) ዝኾኖ እዩ።
እቲ ኻልአይን ተወሳኺ አጅሪ ትረኸበሉን ዓይነት ወዱእ ድማ ምስ ፍቃድ ረቢ ሐዚ ብሓባር ንርአያ። መጀመርታ እቲ ውዱእ ክጅምር ከሎ ቢስሚላህ ኢሉ ክጅምር፣ ከም ኢዱ ሰለስተ ጊዜ ይሓፅብ፣ ካብኡ ድማ እቲ ማይ ናብ አፍንጫ እናእተወን እናተግሞፅሞፀን ሰለስተ ጊዜ ማይ እናሓፈሰ ሰለስተ ግዜ ክሓፅብ፣ ካብኡ ገፁ ሰለስተ ጊዜ ኽሓፅብ፣ ሽዑ ድማ ኢዱ ብየማናይ እናጀመረ ብፀጋማይ እናወደአ ክሳብ ኩርናዕ ሰለስተ ገዜ ይሓፅብ፣ ካብኡ ድማ ርእሱ ካብ ገምበር ጀሚሩ ክሳብ ማእገር ኽሳዱ ሓደ ጊዜ ምስሓበሰ ተመሊሱ ናብ ግንባሩ ይሕብስ፣ ብአመልኻቲ ኢዱ ውሽጡ ብዓባይ አፃብዕ ድማ ዝባን እዝኑ ይሕብስ፣ ካብኡ እግሩ ክሳብ ምናት ሰለስተ ጊዜ ይሓፅብ፣ ብየማናይ ጀሚሩ ብፀጋማይ ይውድእ። እዚ ምስወደአ “አሽሀዱ አን ላኢላሀ ኢለሏሁ ወሕደሁ ላሸሪከ ለሁ ወአሽሀዱ አነ ሙሓመደን ዓብዱሁ ወረሱሉህ አሏሁመ ጅዓልኒ ሚነ ተወቢነ ወጅዓልኒ ሚነል ሙተጦሂሪን” ይበል። ትረጉሙ “ ካብ አሏህ ወፃኢ አምላኽ ከምዘየለን ብሕታውን ዝሻረክ ዘይብሉን፤ ሙሓመድ ድማ ልኡኽን ባርያን አላህ ምዃኖም ቃል ምስክርነተይ ይህብ ኦ አላህ ካብቶም ናባኻ ዝምለሱን ጡሀራታትን ግበረኒ”” (49) ማለት እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ እዚ ዝበልናዮ እንተገይሩ ሸሞንተ ማዕፆታት ጀነት ይኽፈቱ ሞ ብዝደለኻዮ እቶ ከም ዝበሀል ዑመር ብዘመሓላለፎ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝመፀ ሶሒሕ ሓዲሥ አሎ። (49)