Back to Top

ሕቶ(55): ብዛዕባ ፍሉይ መግለፅታት እዚአ ፊርቀቱ ናጂያ ትህቡና ዝተረፈ ሓበሬታ አሎ ዶ?
መልሲ:

ብርግፅ ብዛዕባ እዚአ ፊርቀቱ ናጂያ ፍሉይ መግለፅታት ዘተረፈ ነገር የለን። ምኽንያቱ እዚአን ልዕል ኢልና ዝሓበርናየን መሰረታት ግልፅን እኹልን ስለዝኾኑ። ይኹን ደአ`ምበር ብዛዕባ ባህርይ መብርሂ ምውሳኽ ዝሓሸ ከይኮነ አይተርፍን። ምኽኒያቱ ካብ ብዛዕባ ባህርይ ዘሎ እቲ አገዳሲ ዋኒን ስምምዕ ቃልን ሓድነትን ስለዝኾነ እዩ። አላህ ዓዘ ወጀል ብቁርአኑ ካብ ሓቂ ሓድነትና ንኽንሕሉ ካብ ሀይማኖት እቲ ንኑሕ ዝአዘዘሉ ንዓኹም ሓንፂፁልኩም። እቲ ናባኻ ዘውረድናዮ እቲ ብዑኡ ኢብራሂም፣ ሙሳን ዒሳን ዝአዘዝናሉ ሀይማኖት ብቅኑዕ መስርቱ ብዑኡ `ውን አይትፈላለዩ ኢልና (ሓንፀፅና)።” (ሹራ 13) ስለዝበለና።

ብተወሳኺ እቶም ዲኖም መቂሎም ጉጅለ ጉጅለ ካብ ዝኾኑ `ውን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝፀረዩ እዮም እቶም ሀይማኖቶም ፈሊዮም ጉጅለ ካብ ዝኾኑ ዝፀረይኻ ኢኻ።”(አል‐አንዓም 159) ኢሉ ስለዘፅረዮም።ስምምዕ ቃልን ምትእስሳር ልብን ካብ ፍሉይ መግለፅታት ፊርቀቱ ናጅያ አህሉ ሱነቲ ወል ጀማዓ እዩ። ብሰንኪ ኢጅቲሀድ ፍልልይ ሓሳብ እንተጓንፎም `ውን አብ ሞንጎኦም ፅልኢ፣ ቅንአትን ሒስዲን እይፍጠርን ፤ እኳደአስ አሕዋት ንምዃኖም ዝለዓለ ጠመተ ይገብሩሉ። አብ ሞንጎኦም ፍልልይ ምስ ምህላው ማለት እቲ ሓደ ነቲ ኻሊእ ነን ሕድሕዶም ብመሰረት ናቱ ኢጅቲሀድ ወዱእ የብሉን ማለት ከምዝኾነ እናፈለጠ `ውን ድሕሬኡ ስዒቡ ይሰግድ። ንአብነት ሓደ ሰብ ስጋ ግመል አብ ዝበልዐ ሰብ ድሕሪ ስዒቡ ይሰግድ። እቲ ኢማም ስጋ ግመል ምብላዕ ውዱእ አይፍርስን ኢሉ ስለዝአምን ማለት እዩ። እቲ ስዒቡ ዝሰግድ ዘሎ ኸዓ ስጋ ግመል ምብላዕ ወዱእ የፍርስ እዩ ኢሉ ይሓስብ። ስለዚ ብመሰረት ናይ ሰዓባይ ኢጅቲሀድ እቲ ኢማም ውዱእ የብሉን ማለት እዩ። ነቲ ኢማም ስዒቡ ምስጋዱ ግን ሶላቱ ከም ዘየበላሽዎ ይአምን። ንባዕሉ ተዝኸውን ነይሩ ግን ብመሰረት ኢጅቲሀዱ (ናቱ አረዳድአ) ሶላቱ ቅኑዕ ከምዘይትኸውን ይፈልጥ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ መበገሲኡ ኢጅቲሀድ ዝኾነ ቁርፅ ዝበለ መርትዖ ዘይብሉ ብዝኾነ ዋኒን ዘሎ ፍልልይ ሓሳብ ከም መፈራረቂ ክኸውን ከምዘይግበኦ ስለዝአምኑ እዩ። ምኽኒያቱ ሕድሕዶም እቲ መርትዖ ናይ ምፅራይን ነቲ ሓቂ ናይ ምሕራይን ግቡኦም ፈፂሞም ዝበፅሑሉ መደምደምታ ናብዘን ክልተ ዓይነት ሪኢቶታት ከም ዝመርሖምን ክልቲኦም ሪኢቶታት `ውን ሓቂ ናይ ምዃን ዕድሎም ስፍሕ ዝበለ ከምዝኾነን ስለዝአምኑ እዩ። ሓደ ሓዎም ነቲ ዝመፀ መርትዖ ስዒቡ ካብኦም ካብ ዝተፈለየ ሓሳብ ወላ እንተበፅሐ `ውን በቲ መሰረታዊ አካይዳ ምስኦም ከምዝተስማዕመዐ እዮም ዝአምኑ። ምኽኒያቱ ግቡእ ብዝኾነ አካይዳ ንዝመፀ መርትዖ አፃርዩ ምኻዱ እቲ ዝድለ መሰረታዊ ሓቂ ስለዝኾነ። ንዝመፀሉ መርትዖ ስዒቡ ዝተፈለየ ሪኢቶ ዘለዎ ምስኦም ከምዝተስማዕመዐ እዮም ዝአምኑ። ምኽኒያቱ ፃውዒት ንዝገብሩሉ ከም መንገዲ ገይሮም ንዝስዕቡዎን ናይ አላህ ቃልን ናይ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሓዲሥን ስለዝሰዓበን ከም መንገዲ ገይሩ ስለዝሓዘን።

ሰብ ፍልጠት ዝኾኑ ሰባት ዘይስሕቱዎ ሓደ ሓቂ አሎ። እዚ `ውን አብ ሞንጎ ሱሓበታት ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም በዚ መዳይ ዝተልዓሉ ፍልልይ ሓሳባት ዝነበሩ ምዃኖም እዩ። ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብህይወት አብ ዝነበረሉ እዋን `ውን ከምኡ ዝተልዓሉ ናይ ሓሳብ ዘይምስምዕማዕ ነይሮም። ንአብነት ሓደ እዋን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ምስ ሱሓበታቱ ካብ ወፍሪ አሕዛብ ክምለሱ ከለው ጅብሪል መፂኡ እቶም ሰባት ቃሎም ከምዘፍረሱን ናብ በኒ ቁርይዟ ንክኸድን ኢሉ ነገሮም። ሽዑ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንሱሓበታቱ ሕድሕድኩም አብ በኒ ቁረይዟ እምበር ከይሰግድ (32) ኢሉ አዘዞም። እቶም ሱሓበታት `ውን ሽዑ ካብ መዲና ናብ በኒ ቁረይዟ ገይሺ ጀሚሮም አብ መንገዲ ከለው ሰዓት ሶላተል ዓስሪ በፂሕዎም፤ ገሊኦም ፀሓይ ዓሪባ እዋን ሶላት እንተሓለፈ `ውን በኒ ቁረይዟ ምስበፅሑ ንኽሰግዱ ሶላቶም አደንጒዮሟ ምኽኒያቶም ድማ ሕድሕድኩም ዓስሪ አብ በኒ ቁረይዟ እምበር ከይሰግድ ስለዝተበሀልና በሉ፤ ገሊኦም ኸዓ ነታ ሶላት እዋና ሓሊዎም ዝሰገዱ አለው ምኽኒያቶም ድማ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንምባል ዝደለዩ ንኸይንዱጒ እዩ እምበር እዋን ሶላት እንተሓለፈ `ውን ንምባል ዝደለዩ ኮይኖም አይኮነን ዝብል እዩ። ብርግፅ እቲ ሓቂ እዚ እዋኑ ሓሊዎም ዝሰገዱ ሰባት ዝረኸቡዎ ይኹን ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንክልቲኦም ነቀፌታ አየቅረቡን። ሱሓበታት `ውን ብመሰረት እዚ ፅልኢን ባእስን አይፈጠሩሉን።

ስለዚ ዓርሶም ናብ ሱና ዘፀጋግዑ ሰባት ኩሎም ሓደ ኡማ (ማሕበረ ሰብ) ንክኾኑ፣ አብ ሞንጎኦም ዓሌታዊ አተሓሳስባ ንከይገብሩን ማዕዳይ የመሓላልፍ። እቲ ሓደ ዓርሱ ብሓደ ወገን እንትገብር እቲ ኻሊእ ኸዓ ናብ ኻሊእ ወገን እናገበረ ሳልሳይ `ውን ዓርሱ ኽኢሉ እናጎጀለ ብኸምዚ ነንሕድሕዶም ፅልኢን ባእሲን ይፈጥሩን ከም መጋዝ ብዝኾነ ልሳኖም ኽተሓራረዱን ትርኢ። እቲ ናብዚ ዝበፅሑሉ ሓቀኛ ምኽኒያት እንክተፃሪ ግን ዋኒኑ ኢጅቲሀድ ዝአትዎ (ካብ መምርሒታት ሀይማኖት እስልምና ዝመፁ መርትዖታት ብንጹር ዘይተገለፁ ዝኾነሉ ዋኒን) ኮይኑ ትረኽቦ። እዚን እቲን ኢለ ሓንቲ ጋንታ ንምትንካፍ ዝደለይኹ አይኾንኩን ኩሉ ንዓርሱ ፈቲሹ መንነቱ እንተረኺቡ ግን ግልፂ ይኾነሉ። ስለዚ አህለ ሱና ወልጀማዓ ከም መንነቶም ዋላ `ኳ ቅኑዕ ብዝኾነ መንገዲ ከይዶም መርትዖታተን አብ ዘፃርዩሉ እዋን ብምኽኒያት ዘለዎም ዝተፈላለየ አረዳድአ አብ ዝተፈላለየ መደምደምታ ይብፅሑ ብመሰረታዊ አካይዳ ክሳብ ዝተስማዕምዑ ሓድነቶም አፀቢቆም ኺሕልው ግቡእ እዩ። እዚ ምፍልላይ አረዳድአ አልሓምዱ ሊላህ ስፍሕ ዝበለ ባይታ ዘለዎ እዩ። እቲ አገዳሲ ምስምዕማዕ ቃላትን ምትእስሳር ልቢን እዩ። ከምቲ ዝፈለጥ ሕቡአት ይኹኑ ግልፂ ዝኾኑ ፀላእቲ ሙስሊሚን ንኽንፈላለይ ድሌቶም እዩ። በዚ በለ በቲ እዚ ሓድነት ቃልን ምስምዕማዕን ንብሎ ናይ አህሉ ሱና ወልጀማዓ ጧኢፈቱል መንሱራ መለለይ ከም ምዃኑ መለለይ መንነትና አፀቢቅና ንኽንሕዝ እዩ።

እዋናዊ