ሕቶ(43): ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ተሳሒሮም ከምዝነበሩ በፂሑና እዩ ሞ ብዛዕባኡ ተንፈልጥ? ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተሰሓሩ ምዃኖም ከ ነብይ ምስ ምዃኖም ዝፃባእ አይኮነን ዶ?
መልሲ:
ቡኻሪን ሙስሊምን ኻልኦት ማህደራት ሓዲሥን ከምዝፀብፀቡዎ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ተሳሒሮም ነይሮም `ዮም። (26) እዚ ሲሕሪ ግን ምስ ሕግታትን መልእኽቲን ዝተራኸበ ፅልዋ አይነበሮን። እቲ ዝለዓለ ፅዕንቶ ዝነበረ ምስ በዓልቲ ቤቶም ዝኾነ ነገር ዝገበሩ ይመስሎም ከይገበሩዎ ማለት እዩ። ነዚ ሲሕሪ ዝሰርሖ ድማ ሉበይድ ኢብኒል አዕሶም ዝተብሀለ አይሁድ እዩ ኔሩ። አላህ ዓዘ ወጀል ኸዓ ንነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ሙዓወዘተይኒ (قُلْ أَعُوذُ بِرَبِّ الْفَلَقِ)، (قُلْ أَعُوذُ بِرَبِّ النَّاسِ) ወሕይ ብምግባር ረድኤት ገይሩሎም።
ሲሕሪ ዝተገበረሎም ምዃኑ ነብይ ምስ ምዃኖም ዝፃባእ አይኮነን። ምኽንያቱ ከምቲ ዘሕለፍናዮ ምስ መልእኽቲ አላህ (ወሕይ)ን ዒባዳን ዝተራኸበ ፅዕንቶ ስለዘይነበሮ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተሳሕሩ ምዃን ጌጋ እዩ ኢሎም ነፂጎም እዮም። ነዚ ከም ምኽኒያት ዝገበሩዎ ኸዓ ካፊራት “… ዝተሰሓረ ሰብ እምበር አይሰዓብኩምን…” (ኢስራእ 17) ንዝብልዎ ሓቂ ስለዝገብር እዮም ኢሎም። እዚ ግን እቶም እኩያት ንነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዝገፁዎ ምስምዕማዕ አይኮንን፤ ምኽኒያቱ እዚኦም ሰባት ዝብሉዎ ዘለው ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብ ረቢ ንዝመፀሎም ወሕይ ፃውዒት ዝገብሩዎ ብመሰረቱ ስለዝተሰሓሩ እዩ እዮም ዝብሉ። እቲ ዝረኸቦም ሲሕሪ ዝተገበረሉ ሰብ ከምዝደናገር ተደናጊሮም እምበር ወሕይ አይመፀሎምን እዩም ዝብሉ። ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተገበረሎም ሲሕሪ ግን ምስቲ ወሕይ ርክብ ዘይፈጠረን ፅልዋ ዘየሕደረን እዩ። ይትረፍ ዶ አብቲ ወሕይ እኳደአስ አብ ዝገብሩዎ ዒባዳ `ውን ወላ ሓንቲ ፅዕንቶ አይነበሮን። ብተወሳኺ ሓቀኛ ብዝኾነ መንገዲ ዝመፀ ሓዲሥ ንግጉይ አረዳድአና ኢልና ክንጠልሞ ዝግባእ አይኮነን።