Back to Top
   ጉዳያት ዓቒዳ        ሽርክን ዓይነታቱን

ናብ ጠንቋሊ ዝማላለሱ ሰባት ዘለዎም ፍርዲ


ሕቶ(33): ናብ ጠንቋሊን ጥንቈላን ዝማላለሱ ሰባት ዘለዎም ኩነታት ተንፈልጥ ባህ ምበለልና?
መልሲ:

ኸይዱ ይሓቶ ሓቂ ኢሉ ግን አይቅበሎን ክፍትኖ ይኹን መንነቱ ከፃሪ ከይኮነ ንምሕታት ጥራይ እንተኾይኑ ሓራም እዩ ገይሩ መቕፃዕቱ ኸዓ ናይ አርበዓ መዓልቲ ሶላቱ አብ አላህ ተቐባልነት አይትረኽብን፤

ኻልአይ ኸይዱ ይሓቶ ነቲ ዘረባኡ `ውን ይቕበሎ እዚ ድማ ኩፍሪ እዩ ገይሩ፤ ምኽኒያቱ ብዜካ አላህ ብሰማይን ምድርን ዘሎ ኩሉ ሕቡእ ሚስጢር አይፈልጥን፤… (ነምል 65) ብዝብል ቃል አላህ ስለዝኸሓደ

ሳልሳይ ኸይዱ ይሓቶ ግን መንነቱ ኸፃሪን ኸሕስሮን ሓሶት ብምዃኑ ንሰባት መጠንቀቕታ ንምግባርን እዩ ዝሓቶ፡ እዚ ኸዓ ፀገም የብሉን ኢልና አሕሊፍናዮ ኢና። ይኹን ደአ`ምበር ከምቲ ዝፍለጥ ሓደ ነገር ይከአል እዩ እንትንብል ናብ ዝበአሰ ሓደጋ ዘብፅሖ እንተኾይኑ እቲ ነገር ባዕሉ `ውን ዘይፍቀድ ይኸውን። ንአብነት እዚ አብ ሳልሳይ ዝተጠቕሰ ኩነት ይፍቀድ እዩ ክንብል ከለና ናብ ዝገደደ ሓደጋ እንተብፂሑዎ ዋላ ነዚ ቅኑዕ ዕላማ ተባሂሉ አይፍቀድን። ምኽኒያቱ ናብ ሓደጋ ዘብፅሕ ኩሉ ሓደጋ እዩ ዝብል ፍሉጥ መሪሕ ቃል ስለዘሎ።

እዋናዊ