Back to Top

ሕቶ(32): ጥንቈላ እንታይ እዩ?
መልሲ:

ጥንቈላ ዝብል ቃል ብዓረብኛ ዘለዎ ፍትሒ “ኪሀናህ” ዝብል እንትኾን ትርጉሙ ኸዓ ካብ ስምዒት ህዋሳት ንዝረሓቑ ምስጢራት ንምርካብ ምፅዓር ማለት እዩ። አብ እዋን ጃሂሊያ (ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ልኡኽ አላህ ቅድሚ ኮይኖም ምምፀኦም) ሰባት ምስ ሸይጣን ኮይኖም ካብ ሰማይ ወረ ንኸምፁሎም ዝገብሩሉ መንገዲ ነይሩዎም። በዚአ ዝሰምዑዋ ወይለ ሸይጣን ብዘምፀአሎም ሓንቲ ሚእታዊ ሓቂ ተደሪቶም ካብ ባዕሎም ዝውስኹዎ እናወሰኹ ንሰባት ይዛረቡ። ካብቲ ዝበሉዎ እታ ሓንቲ እንትትርከብ ሰባት በቲአ ዝተረኽበት ሓቂ ይዕሸሹ። ድሕሬኡ እቶም ሰባት አብ ሞንጎኦም ንዘጓንፍ ከም ዳኛን መለኽቲን ብዛዕባ መፃኢ ኸዓ መወከሲ ይገብሩዎም።

ስለዚ ድማ እዩ ጠንቋሊ ማለት ብዛዕባ መፃኢ ዝገልፅ እዩ ንብለሉ ምኽኒያት። ናብ ጠንቋሊ ዝመፅእ ሰብ ሰለስተ ዓይነት እዩ:

እቲ ሓደ ናብ ጠንቋሊ ከይዱ እንተሓተቶ `ውን በቲ አበሃህላ ጠንቋሊ ሓቂ እዩ ዘይብል እዩ እዚ ድማ ሓራም እዩ። መቕፃዕቱ ኸዓ ናይ አርበዓ መዓልቲ ሶላቱ ረቢ አይቕበሎን። ምኽኒያቱ ሙስሊም ብዝፀብፀቦ ካብ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዝመፀ ሓዲሥ ናብ ጠንቋሊ ኸይዱ ዝሓተተ ሰብ (ካብ ዝሰገዶ)ናይ አርበዓ መዓልቲ ሶላቱ ረቢ አይቕበሎን። (21) ስለዝበሉ።

እቲ ኻልአይ ናብ ጠንቋሊ መፂኡ ምሕታት ጥራይ ከይኮነ ብዝብሎ `ውን ሓቂ ዝብል እዩ። እዚ ድማ ኩፍሪ እዩ። ምኽኒያቱ ዒልመል ቐይብ (ሕቡእ) ይፈልጥ`የ ንዝብል አባህላኡ ሓቅኻ ማለት ስለዝኾነ ፤ ወድ ሰብ ዒልመል ቐይብ (ሕቡእ) ይፈልጥ`የ እንትብል ብአወንታዊ ምርግጋፅ ኸዓ አላህ ብቁርአኑ ብዜካ አላህ ብሰማይን ምድርን ዘሎ ኩሉ ሕቡእ ሚስጢር አይፈልጥን፤… (ነምል 65) ብዝብል ቃል አላህ ምኽሓድ እዩ። አላህን ልኡኹን ብዝበሉዎ ምኽሓድ ኸዓ (ካብ እስልምና ዘውፅእ) ኩፍሪ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ብሓዲሦም ናብ ጠንቋሊ ከይዱ እቲ ጠንቋሊ ብዝዛረቦ እማን ዝበለ አብ ልዕሊ ሙሓመድ (ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብዝወረደ ኽሒዱ እዩ።(22) ዝበሉ።

እቲ ሳልሳይ ድማ ነቲ ጠንቋሊ ንምሕሳርን እዚ ዝገብሮ ዘሎ ግጉይን ሓሶትን ከምዝኾነ መጠንቀቕታ ንምሀብን ኢሉ ዝሓቶ እንተኾይኑ ፀገም ዘይክህልዎ ይኽእል። እዚ ክንብል ከለና ነዚ ዘለና መበገሲ ኸዓ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ምስ ኢብኑ ሶያድ አብ ዝተራኸበሉ እዋን ዝኾነ ነገር ብውሽጦም ሓቢኦም ዝሓባእኩዎ ነገር አሎኒ እንታይ እዩ? ኢሎሞ፤ ንሱ ኸዓ “ዱኽ!” ኢሉዎም (ተርጓም፥ ዋላ`ኳ ካብ ሸይጣን ሓበሬታ እንተረኺቦም `ውን እቲ ሓበሬታ እኹል ዘይኮነን ተደናጊሮም ዘደናግሩሉን እዩ) “ዱኻን” ንምባል እዩ ኔሩ። ሽዑ ነብይና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም የጥፍእኻ! ልክዕኻ አይትሓልፍ!”(23) ኢሎም መንነቱ አፍለጡዎ።

እዚአን እየን እተን ናብ ጠንቋሊ ናይ ዝመፅእ ሰብ ሰለስተ ዓይነት ኩነታት: ኸይዱ ይሓቶ ሓቂ ኢሉ ግን አይቅበሎን ክፍትኖ ይኹን መንነቱ ከፃሪ ከይኮነ ንምሕታት ጥራይ እንተኾይኑ ሓራም እዩ ገይሩ መቕፃዕቱ ኸዓ ናይ አርበዓ መዓልቲ ሶላቱ አብ አላህ ተቐባልነት አይትረኽብን፤ ኻልአይ ኸይዱ ይሓቶ ነቲ ዘረባኡ `ውን ይቕበሎ እዚ ድማ ኩፍሪ እዩ ገይሩ ብተውባ ናብ ረቢ ምምላስ ግቡኡ እዩ፡ ኸምዚ እንተዘይገበረ ሞይቱ ካፊር ኾይኑ እዩ ሞይቱ ፤ ሳልሳይ ኸይዱ ይሓቶ ግን መንነቱ ኸፃሪን ኸሕስሮን ንሰባት መጠንቀቕታ ንምግባርን እዩ ዝሓቶ፡ እዚ ኸዓ ፀገም የብሉን።

እዋናዊ